ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትሽዓተ ኣባላት ኣመራርሓ ፓርቲ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ቀጺሎም


ኣርባዕተ ኣባላት ኣመራርሓ ፓርቲ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ሓዊሱ ኣብ ሓደ ኽፍሊ ትኣሲሮም ዝርከቡ ትሽዓተ እሱራት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቅልንጦ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ካብ ዝጅምሩ ታሽዓይ ማዕልቶም ከምዝሓዙ ተፈሊጡ።

እቶም እሱራት ኣዚዮም ስለዝተጎድኡ ግሉኮስ ይወስዱ ከምዘለው ምንጭታት ገሊፆም ኣለው።

ኣባላት ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ ኣቶ ጉርሜሳ ኣያናው፣ኣቶ ደጀኔ ጣፋ፣ኣቶ ኣዲሱ ቡላላን ኣቶ በቀለ ገርባን ከምኡ እውን ኣቶ ዮናታ ተስፋየ ሓዊሱ ካልኦትን ይርከቡዎም።

ብኻሊእ ዜና ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ጠጠው ዘይበለ ሕቶ ህዝቢን ተቓውሞን ከምዘሎን መንግስቲ ድማ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ይርከብ ኢሎም ምኽትል ኣቦ ወንበር እቲ ፓርቲ ኣቶ ሙላቱ ገመቹ።

ኣብታ ሃገር ዝልዓሉ ህዝባዊ ሕቶታት መንግስቲ ኣብ ክንዲ ብሓይሊ ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሖም ፓርቶምን መድረኽን ብተደጋጋሚ ፀዊዖም ይብል ፀብፃብ መለስካቸ ኣምሃ ሓቢሩ።

ኣብዚኣ'ሞ

ዚምባብወ ድሕሪ ሙጋበ ሕጂውን በቲ ገዛኢ ሰልፊ ምሕደርኣ ክቕጽል'ዩ። እዚ ኣብ'ታ ሃገር ዝተራእየ ለውጢ እምበኣር

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG