ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ መጠይቅ ምስ ዶ/ር መረራ ጉዲና


መራሒ ተቃዋሚ ፓርቲ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ዶ/ር መረራ ጉዲና ኢህወዴግ ስራሕ ሃገራዊ ምርድዳእ ብምሉእ ልቡ ክፍጸምን ምስ ሓይልታት ተቓውሞ ብምዃን ንኢትዮጵያ እንደገና ሓድሽ ዘመን ንክጅመር ጸዊዖም።

ትማሊ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጹ ብህዝቢ ዝተገብረሎም ናይ ሓጎስ ኣቀባብላ ሓድሽ መንፈስ ቃልሲ ኣሕዲሩለይ ምባሎም’ውን ተገሊጹ’ሎ።

ትማሊ ዝተፈትሑ ዶ/ር መረራ ጉዲና ሎሚ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መጠይቕ ኢትዮጵያ ሓድሽ ምዕራፍ ሓድሽ ዘመን ክትጅምር ኣለዎ ኢሎም። ዶ/ር መረራ መራሕቲ ኣርባዕተ ውድባት ኢህወዴግ ብዛዕባ ሃገራዊ ምርድዳእ ዝሃብዎ ቃልን ጠቕላሊ ዓቃብ ሕግ’ታ ሃገር ዝሃብዎ መግለጺን ዝሰማማዕ ኣይመስሉን ድሕሪ ምባል ኢህወዴግ ክገብሮ ዝደልይ ምርድዳእ ዘጸግም’ዩ ኢሎም፡ ኣስዒቦም ክልተ ልቢ ኾንኻ ንድሕሪኡ እናጠመተ ዝኸይድ ይመስል’ውን ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቃለ መጠይቅ ምስ ዶ/ር መረራ ጉዲና
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:14 0:00

XS
SM
MD
LG