ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገዛኢ ፓርቲ ኦሮሚያ ኦህዴውን ተቓዋሚ ፓርቲ ኦፌኮን ኣብ ቀረባ ናብ ልዝብ ክኣተው ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ


ዲሞክራሲያዊ ውድብ ህዝቢ ኦሮሞ(ኦህዴው) ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ምስ ተቓዋሚ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ(ኦፌኮ) ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢን ወጻእን ምስ ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ውድባት ተቐራሪቡ ክሰርሕ ወሲኑ’ዩ።

ወሃቢ ቃል ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኦህዴው አቶ ካሳሁን ጎፈ ምስ ኦፌኮ ዘሎ ርክባት እናቐለለ ይኸይድ ኣሎ ክብል ከሎ አቦ መንበር ኦፌኮ ዶ/ር መረራ ጉዲና ብወገኖም ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ኩነታት ቃልሲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንቕድሚት ከም ዝሰጎመ ዘርኢ’ዩ ኢሎም።

ኦህዴው ኣብ ጉባኤኡ ኦሮምኛ ምስ ኣምሓርኛ ጎን ንጎን ናይ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ቋንቋ ንክኸውን ከምዝቃለስ ምስምምዑ ድማ ምስቲ ተቓዋሚ ውድብ ኦፌኮ ሒዝዎ ዝጸንሓ መርገጺ ተሳንዩ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG