ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምርጫ ንኬንያ ክኸፋፍላ’ዩ ክብሉ መራሒ ተቓወምቲ ኦዲንጋ ኣጠንቂቆም


መራሒ ተቓወምቲ ኬንያ ራይላ
መራሒ ተቓወምቲ ኬንያ ራይላ

መራሒ ተቓወምቲ ኬንያ ራይላ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዘምስዕዎ መደረ ኬንያዊያን ብውጽኢት ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኬንያ ከምዝጎሃዩን ገለ’ውን ምንጻል ኣብ ግምት ዘእተው ከምዘለው ሓቢሮም።

መደረ ራይላ ኦዲንጋ ብቐጥታ ብቴሌቭዥን እታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ኮይኑ ንሶም ምግላል እቲ ቀንዲ ነቲ ሃገር ክኸፋፍላ ዝኽእል ስግኣት ምኳኑ ኣብ ማእከል ስትራቴጂክ ኢንተርናሽናል ስታዲስ ኣብ ዋሽንግተን ዝተረኽቡ ሰማዕቲ ገሊጾም።

ምርጫ ንኬንያ ክኸፋፍላ’ዩ ክብሉ መራሒ ተቓወምቲ ኦዲንጋ ኣጠንቂቆም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:32 0:00

“ ዓለም ነዚ ጉዳይ ብሳልሳይ ዝተጭበርበረ ምርጫ ዝተላዕለ ናይ ምርጫ ቀውሲ ጌሩ ክርድኦ የብሉን። እቲ ቀውሲ ዝለዓል ካብ ኩሉ ወገን ዝተላዕለ ስልጣን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ምሓዝ ዝተላዕለ እዩ። ክሳብ ሕጂ ዝተጎናጸፍናዮ ኹሉ ዘፍርስ’ዩ። ኬንያ ናብ ምልኻዊ ስርዓት ተምርሕ ኣላ” ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ ካብ 1963 ዓ.ም ጀሚሩ ኣርባዕቲኦም መራሕቲ ኬንያ ካብ ዓሌት ኪኪዩ ወይ ካለንጂን’ዮም እንተኾነ ኬንያ 44 ብሄራት እዮም ዘለውዎ፡ ፕረዚደንት ኡሁሩ ካብ ኪኪዩ ምኽትሎም ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ክወዳደር ተስፋ ተነቢርሉ ዘሎ ድማ ካብ ካለጂን እዩ።

ኬንያ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዘካየደቶ ምርጫ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ተሰሪዙ ካልኣይ ምርጫ ኣብ ጥቕምቲ 26 ተኻይዱ።

መራሒ ተቓወቲ ራይላ ኦዲንጋ ኣብ ዳግማይ ምርጫ ከምዘይሳተፉ ኣፍሊጦም። ኡሁሩ ኬንያታ ድማ ነቲ ምርጫ ብ98 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ተዓዊቶም ኣለው።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ክሳብ ሕዳር 14 ንዝቐረብሉ ስለስተ ናይ ይግባይ ሕቶታት መልሲ ክህብ እዪ፡ እቲ ካልኣይ ውጽኢት ምርጫ እንተጸዲቑ ድማ ኬንያታ ንካልኣይ ጊዜ ፕረዝደንት ኬንያ ኮይኖም ሕዳር 28 ቃለ መሓላ ክፍጽሙ’ዮም።

XS
SM
MD
LG