አዲስ አበባ —
ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ብቕልጡፍ ይለዋወጥ ኣሎ። እታ ሃገር ኣብዚ እዋን ብደርቂ ብውሕጅን ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ብዝፈጠሩ ጎንጽታት ብድሆ ገጢምዋ ኣሎ ክብሉ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት መተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያት (OCHA) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት መተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያት (OCHA) ኣብ መግለጺኡ: ብቕልጡፍ ዝቀያየር ሰብኣዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብዝመጣጠን መልኽዕ ተለዋዋጢ መፍትሒ ሜላታት የድልይ እዩ ክብል ገሊጹ።
እዚ ቅልጡፍ ምልውዋጥ ኩነታት ዝበአሰ ካብ መጀመርያ 2017 አትሒዙ ምኳኑ ዝገለጸ’ቲ መግለጺ ኦቻ: ኣብዘን ኣዋርሕ እዚኣን እታ ሃገር ብደርቂ ብውሕጂን ጎንጽታትን ዝለዓለ ብድሆ ተቓሊዓ’ላ ኢሉ’ሎ።