ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣዋሰንቲ ወረዳታት ኦሮሚያን ሶማሊያን ብሰንኪ ዝተለዓለ ግጭት ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ሰባት ምምዝባሎም ትካላት ረድኤት ሓቢሮም


ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ወሰና ወሰን ወረዳታት ክልላት ኦሮሚያን ሶማሊያን ብሰንኪ ዝተፈጥረ ግጭት ህይወት ሰባት ጠፊኡ፣ብዙሕ ሰብ ተመዛቢሉን ንብረት ዓንዩን እዩ።ዓለምለኸ ትካላት እውን ዘተሓሳስብ እዩ ኢሎምዎ ኣለው።ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ኣዋሃሃዲ ሰብኣዊ ሓገዝ (OCHA) ካብ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ኣዋሰንቲ ወረዳታት እተን ክልላት ብሰንኪ ዝተለዓለ ግጭት ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ሰባት ምምዝባሎም ሓቢሩ’ሎ።

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዋሰንቲ ወረዳታት ክልላት ኦሮሚያን ሶማሊያን ዘሎ ኩነታት ከመይ ከምዝሪኦ ዝተሓተቱ ወሃቢ ቃል እቲ ኤምባሲ ኒኮላስ ባርነት ከምዚ ክብሉ ይምልሱ።

“ብቐረባ ንከታተሎን ንኢትዮጵያዊያን ብዙሕ ዘጨነቐን ምዃኑ አርዳእ እየ።መንቀሊታት ናይቲ ግጭት ዝተሓላለኸ ምስ ምዃኑ ተቐዳዲምና ንዛረበሉ ኣይኮነን። ንዓና ብዝበለፀ ዘተሓሳስበና ግን ብሰንኪ እቲ ግጭት ዝተመዛበሉ ሰባት ዝርከብሉ ኩነታት ዝምልከት እዩ።”

ብዝሒ ተመዛበልቲ ዝምልከት ካብ መንግስቲ ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ዝተፈላለየ መግለፂ ከምዝውሃብ ብምሕባር ቁፅሪ ተመዛበልቲ ክንደይ ከምዝኾነ ተሓቲቶም።

“ሓቂ ንምዝራብ ነዚ ሕቶ ንምምላስ ዘለና ሓደ ዓብዩ ፈተና፣ንፁር መረዳእታ ንምቕራብን ናይቲ ፀገም ስፍሓት ንምፍላጥን ዘኽእለና ኩነታት ኣሎ ኢልና ኣይንኣምንን።ናይ መመዛበሊ ምኽንያት ግጭት ጥራሕ ኣይኮነን።ብሰንኪ ግጭት ካብ ኦሮሚያን ሶማሊያን ዝተመዛበሉ ዝለዓለን እቲ ቅልውላው እውን ዝኸፍአን ስለዝነበረ ፈተንኡ እውን ዓብዪ እዩ። ግቡእ ምላሽ ንምሃብ ምልውዋጥ ሓበሬታ የድሊ እዩ።”

ክንደይ ከምዝተመዛበሉን ኣበይ ከምዝርከቡን ከምኡ እውን መንግስቲ እቲ ፀገም ንምፍታሕ የካይዶም ዘለው ፃዕርታትን ዝሓንፀፆም ትልምታትትን እንተድኣ ተረዲእና ኣበርኽቶ ንምግባር የቕልለልና እዩ ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ዝኸውን ረድኤት ሓቲቱ እንተኾይኑ ዝተሓተቱ ንሶም ከምዚ ክብሉ መሊሶም።

“መንግስቲ ንዝተጎድኡ ንምሕጋዝ ገንዘብ ምምዳቡ ዝሕብር መግለፂኡ ሪኢና ኢና።ኣብዚ ደጊመ ክገልፆ ዝደሊ ግን ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኸውን እቲ ትልሚ ንካልኦት እውን እንተሓዊሱ እዩ።”

ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ በቲ ግጭት ካብ ክልቲኡ ወገን ተመዛቢሎም ዝርከብሉ ከባቢታት ብኣካል ከይዶም ተዓዚቦም እዮም።ኒኮላስ ባርነት ነዚ ከምዚ ክብሉ ይገልፁዎ።

“እቶም ኣምባሳደር ክልቲኦም ተመዛበልቲ ወገናት ንዘዕቖብሎም ከባቢታት ሪኢና ኢና።ተሓባባሪ ሚንስት ንጉዳያት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ያማማቶ ኣብቲ ከባቢ ዑደት ኣብዝፈፀምሉ እውን ነዚ ጉዳይ ኣልዒሎምዎ እዮም።ግን ማዕረ እቲ ፀገም ምላሽ ንምሃብ ዝተዋደደ ትልሚ ምሕንፃፅ የድሊ።እንልግሶ ረድኤት ኣብ መዓልኡ ይውዕል ምህላው ምርግጋፅ ንደሊ ኢና።”

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ብሄረሰባት ውጥረት እናዓበየ ምምፅኡን በዚ ደረጃ ይዘራረብሉ ከምዘለውን ብምግላፅ ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለዩ ምላሽ ከምዝረኽቡን ውጥረት የለን ዝብሉ እውን ከምዘለው ይገልፁ።

“እቲ ጉዳይ ዘተሓሳስብ እዩ።ኣፈላላይ ዓሌት ኢትዮጵያ ንቕድሚት ክትስጉም ኣይሕግዛን እዩ።ንቕድሚት ክንሪኣ ንደልያ ኢትዮጵያ ዘረጋግፅ ኣይኮነን።ስለዚ ንሕና ነተባብዖ ሰላማዊ ልዝብ፣ኣብ ምክእኣልን ምክብባርን ዝተመስረት ሰላማዊ ዝርርብ እዩ።”

ኢትዮጵያ ወናኒት ነዊሕ ታሪኽ ምዃና፣ዝተፈላለዩ እምነታትን ቋንቋታትን ዝዛረቡ ህዝብታት ዝርከቡላ፣ኣብ ምክእኣልን ምክብባርን ተመስሪቶም ንነዊሕ እዋን ዝነበሩላን ሃገር እያ፤እዚ ክቕየር የብሉን፤ክቕፅል ኣለዎ ኢሎም ወሃቢ ቃል እቲ ኤምባሲ ኒኮላስ ባርነት።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG