ኣዲስ ኣበባ —
ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ትሸዓተ ኣዋርሕ ብሕማም ዓሶ ልዕሊ 1-ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 5.9 ሚሊዮን ድማ በቲ ሕማም ከምዝተትሓዙ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ሓገዛት ውድብ ሕቡራት ሃገራት(ዩኤንኦቻ) ገሊፁ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ንድምፂ ኣመሪካ ርእይቶ ዝሃቡ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ዶ/ር መሳይ ሃይሉ ብወገኖም፣ ብገለ ትካላት ዝወፁ ፀብፃባት ንተጠርጠርቲ ሕሙማት እውን ስለዘጠቓልሉ ልዑል ኣሃዛዊ መረዳእታ ከርእዩ ይኽእሉ እዮም ድሕሪ ምባል እንተኾነ ሕማም ዓሶ ኣብ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ይረኣ ከምዘሎ ሓቢሮም።
ቅጥዒ