ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ጋምቤላን ደቡብን ብሰንኪ ውሕጅ 40-ሽሕ ሰባት ካብ መንበሪኦም ምዝንባሎም ሕ/ሃ ገሊጹ


ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ክልላት ጋምቤላን ደቡባዊ ኢትዮጵያን ብሰንኪ ዘጋጠመ ከቢድ ዝናብን ውሕጅን ልዕሊ 40,000 ሰባት ካብ መንበሪኦም ከምዝተመዛበሉ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ኣወሃሃዲ ሰብኣዊ ረድኤት(ኦቻ) ገሊፁ። ኣብ እንስሳትን ሕርሻን እውን ጉድኣት ከምዘጋጠመ ተገሊጹ'ሎ።

ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ እውን ውሑጅ ተመሳሳሊ ጉድኣት ምውራዱ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ሶማል እውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከቢድ ዝናብ ሃሪሙ 2,200 ሰባት ተመዛቢሎም 15,500 ሄክታር ዘራእቲ ጉድኣት ከምዝወረዶን እቲ ፀብፃብ ይገልፅ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG