ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ተሓገዝቲ ጉዱኣት ደርቂ ብሰለስተ ሚልዮን ምውሳኹ ተገሊጹ


ብሰለስተ ሚልዮን ንዝወሰኸ ቁጽሪ ተሓገዝቲ ጉዱኣት ደርቂ ኢትዮጵያዊያን ዘድልይ ረድኤት ህጹጽ ምኳኑን ብቅልጡፍ ክመጽእ ከምዘለዎ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ኣተሓባበሪ ሰብኣዊ ረድኤት ኣፍሊጡ።

ኣብ ቐረባ ዝወጸ ሰነድ ሕቶ ረድኤት HRD ከምዘርኣዮ ቁጽሪ ብሰንኪ ደርቂ ህጹጽ ረድኤት መግቢ ዘድልዮም ኢትዮጵያዊያን ብዝለዓለ መጠን ወሲኹ’ሎ።

ኣብ ቤት ጽሕፈት አተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ኢትዮጵያ ቾይዝ አኮሮ ነዚ ብአጽዕኖት ይገልጻ።

“ንርእዮ ዘለና ቁጽሪ ደለይቲ ረድኤት ብልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ምውሳኹ፡ ንገምጋም ፍርቂ ዓመት መበገሲ ብምግባር ንዝተረፋ 2017 ዓ.ም ወግዓዊ ዝተገብረ ቁጽሪ’ዩ። ኣብ ጥሪ 2017 ዓ.ም ዝነበረ ቁጽሪ 5.6 ሚልዮን ኔሩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ግን 8.5 ሚልዮን’ዩ በጺሑ ዘሎ ትኹረት ዘድልዮም ዝነበሩ ከም ጉድለት አመጋግባ ህጻናትን ብርቱዕ ውጽኣት ዝአመሰሉ ሕማማትን ከምዘለዎ፡ ጉዳይ መግቢ’ውን ኣዝዩ አሰካፊ ምኳኑ ቀጺሉ’ሎ። እቲ እቲ ቀንዲ ጉዳይ መግቢ’ዩ። ቁጽሪ ተሓገዝቲ ወሲኹ’ሎ ምላሽ ንምሃብ ዘድሊ መጠን ገንዘብ’ውን ብኡ መጠን ወሲኹ’ሎ ኢለን።”

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG