ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ መጠን ተሓጋዚ ብዕጽፊ ወሲኹ


Ethiopia Rain Shortage 08-12-15
Ethiopia Rain Shortage 08-12-15

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት ናይ በልጊ ዝናብ ዘይምውቅዑን ኣብ እዋን ክረምቲ እውን ትጽቢት ካብዝተገበረሉ ንታሕቲ ብምንባሩን መጠን ተሓጋዚ ብዕጽፊ ከምዝውስኽ ናይ ሕቡራት መንግስታት ሰብኣዊ ሓገዛት OCHA ኣፍሊጡ።

“ጥፍኣት የጋጥም ኣሎ” ዝበለ OCHA ኣብ ዘውጽኦ ሰሙናዊ ጽሑፍ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2015 ዓ.ም ዝተመጣጠነ ምግቢ ዘድልዮም ብዝሒ ሰባት አብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ካብ ዝነበረ ብ49.5 ሚእታዊ ከምዝወሰኸን ካብ 374 ሽሕ ናብ 700 ሽሕ ክብ ምባሉን ገሊጹ።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ቁጽሪ ተሓገዝቲ ናብ 5 ሚሊዮን ከምዝጽጋዕ እውን ይእመን።

ኣብ ውሕስነት ምግቢ ቅድሚ ኩሉ ተጠቃዕቲ ዝኾኑ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናት፣ነፍስ ጹርን ዘጥቡዋን ደቂ ኣንስትዮ ናብ መመገቢ ማእኸል እናመጹ ምዃኖምን ናይ መመገቢ ማእኸል ዝተጣየሸለን ክልላት ድማ ዓፋር፣ኣምሓራ፣ኦሮሚያ፣ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ፣ሱማሊያን ትግራይን እየን።

XS
SM
MD
LG