ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብዝሒ ህጹጽ ረድኤት ዘድልዮም ኢትዮጵያዊን ዝፍለጥ ድሕሪ ዝኻየድ ዘሎ ገምጋም ምኳኑ ተሓቢሩ


አብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ደርቂ ህጹጽ ረድኤት ዘድልዮም ኢትዮጵያዊያን ትኽክለኛ ቁጽሪ ዝፍለጥ ድሕሪ’ቲ ሎሚ ቅነ ዝጅመር ገምጋም ምኳኑ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት አተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያት አፍሊጡ።

ኮሚሽነር ኣመራርሓ ስግአት ሓደጋን ድልውነትን ኢትዮጵያ ብወገኑ እቲ ደርቂ ናብ ጥምየት ከይተቐየረ ኸሎ ምዕጋት ተኻኢሉ’ዩ ግን ኸአ ናብ 7.8 ሚልዮን ክብ ንዝበለ ቁፅሪ ተሓገዝቲ ናይ 742 ሚልዮን ዶላር ረድኤት ትጽቢት ይግበር ኢሉ’ሎ።

ወሃቢት ቃል ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት አተሓባባሪ ሰብአዊ ጉዳያት ኣብ ኢትዮጵያ ቹዝ ኦኾሮ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብኦ ቃል ኣብ መጀመርታ ዓመተ 2017 ዝወጸ ሰነድ መሕተቲ ሓገዝ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብዝካየድ ገምጋም ድግማ ተጌርሉ ትኽክለኛ ቁጽሪ ክግለጽ’ዩ ኢለን።

ህጹጽ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ካብ 5.6 ሚልዮን ብ2.2 ሚልዮን ከምዝወሰኸ ኣብ ቀረባ ተገሊጹ’ዩ። ቁጽሪ ተሓገዝቲ ብትኽክል ብክንደይ ከምዝወሰኸ ዝግለጽ ድሕሪ ሓደ ወርሕን ፈረቃን ማለት ክሳብ ሰነ 15 ኣቢሉ ኣብ ዘሎ ጊዜ ብደርቂ አብ ዝተጠቕዓ ከባቢታት ኢትዮጵያ ናይ ፍርቂ ዓመት ገምጋም ምስ ተኻየደ ምኳኑ’ውን እተን ወሃቢት ቃል ገሊጸን።

ንሰን ወሲኸን ካብ ፍርቂ የካቲት ክሳብ ግንቦት ክወቅዕ ዝነበሮ ናይ ኣዝመራ ዝናብ ከምዝግባእ ከምዘይዘነበ ገሊጸን ኣለዋ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG