ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብአዊ ጉዳያት አብ አወንታዊ ገስጋስ’ዩ ዘሎ ግን ሰብኣዊ ሓገዝ ክቕጽል አለዎ” ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕ/ሃ


ኣብ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ዳይሬክተር ክፍሊ ስርሒታት ረድኤት ጆን ጂንግ-
ኣብ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ዳይሬክተር ክፍሊ ስርሒታት ረድኤት ጆን ጂንግ-

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብአዊ ጉዳያት አብ አወንታዊ ገስጋስ’ዩ ዘሎ ግን ዘይውሕስነት መግቢ ቐጺሉ ስለዘሎ ትኹረት የድልይ’ዩ ኽብሉ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ቤት ጽሕፈት አተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጦም። ንሶም ብተወሳኺ ረድኤት ክቕጽል’ውን ጸዊዖም ኣለው። እዚ ዝተገልጸ ኣብ ቤት ፅሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ዳይሬክተር ክፍሊ ስርሒታት ረድኤት ጆን ጂንግ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ እዩ።

ካብ ዓይኒ ወይ ራዳር ሚዲያ ንነዊሕ ግዜ ተገሊላ ዝፀንሐት ኣብ ዝበሉዋ ኤርትራ ሕቡራት ሃገራት ዘካይዶም ዘለው ስራሓትን ውፂታቶምን ንምዕዛብ ኣብ ኤርትራ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ምካይዶም ዝገለፁ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ጆን ጂንግ መግብን ውሕስነት መግብን /ድሕነትን/ ቀንዲ ሻቐሎት ኮይኑ ቀፂሉ’ሎ ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ 80 ሚእታዊት መነባብሮ ህዝቢ ኣብ ሕርሻ ዝተመስረተ ብምዃኑ እታ ሃገር ንክስተት ኤል-ኒኞ ዝተቓልዐት እያ ኢሎም።ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዳይሬክተር ኣዋሃሃዲ ሰብኣዊ ጉዳያት ክፍሊ ስራሓት ረድኤት/ኦቻ/ ጆን ጂንግ ኣስታት 3.5 ሚሊዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኤርትራ ብናይ ሕቡራት ሃገራት መዐቀኒ ሰብኣዊ ልምዓት ካብ 188 ሃገራት ኣብ መበል 179 ከምትስራዕ ገሊፆም ።

“ዝተመዝገበ ምዕባለ ከጋንኖ ኣይደልን እየ፤ግን ከኣ ኣገዳሲ እዩ፤ምኽንያቱ ኣብ ኣወንታዊ ኣንፈት ስለዝርከብ ግን ከኣ ነዊሕ መንገዲ ይፅበናዮ’ሎ።ብመዐቀኒ ሰብኣዊ ልምዓት ካብ 188 ሃገራት ኣብ መበል 179 ደረጃ ከም እትርከብ ሃገር ዝሓዝናዮም ፕሮግራማት ኣብ ምሕጋዝ ፃዕርና ክነሐይል ኣለና።”

እዚ ናይ ሕቡራት ሃገራት መዐቀኒ ሰብኣዊ ልምዓት ንናይ ሰባት ንውሓት ዕደመን ሽፋን ትምህርትን ዝኣመሰሉ መዐቀኒታት ኣብ ግምት ዘእትው እዩ።

ካብ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመታት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ኤርትራ ሓምሳ ሚእታዊት ብምድኽዳኽ ወይ ከምቲ ዝግብኦም ብዘይምዕባይ ዝሳቐዩን 39 ሚእታዊት ድማ ክብደቶም ካብቲ ዝግባእ ንታሕቲ ከምዝኾነን ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣብ ቀረብን ጠለብን ሰፊሕ ኣፈላላይ ከምዘሎ ኣብ ናይ ህፃናት ዝርአ ሕፅረት ኣመጋግባ ከምዝፀባረቕን ዓብዪ ጠመተ ፕሮግራማት ሕቡራት ሃገራት ብፍላይ ድማ ናይ ዩኒሴፍን ትካል ጥዕና ዓለምን ምዃኑን ባዕሎም ንናይ መመገቢ ማእኸላትን ትካላት ጥዕናን ብዓይኖም ብምርኣይ ዝተሰርሑ ኣወንታዊ ስራሕቲ ምዕዛቦም ገሊፆም።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ናይ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ ሓገዛትን ዝነበረ ሓርፋር ርክባት እናተመሓየሸ ምምፅኡ ዝገለፁ፡ ዳይሬክተር ጆን ጂንግ ካብቲ ምምሕያሻት ርክብ ተጠቀምቲ ይርብሑ ኣለው ኢሎም።

“ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ርክባትና እናተመሓየሹ ምርኣየይ ኣዚየ ሕጉስ እየ።ንህዝቢ ኤርትራ ብኣወንታ ብዝረብሕ መንገዲ ብምምሕያሹ ኣብ መወዳእታ ኣብ ፕሮግራማትና ዝተመስረቱ ሰባት ክጭበጥ ዝኽእል ኣወንታዊ ለውጢ ንምርኣይ ክኢልና ኢና።”

ኤርትራ ኣብ ሓፈሻዊ ሚሊኒየማዊ ሸቶታት ልምዓት ዘመዝገበቶም ኣወንታዊ ምዕባለታት እውን ብዙሕ ክዝረበሉ ዝግባእ እዩ ኢሎም።

“ካብ ሚሊኒየማዊ ሸቶታት ልምዓት ናብ ዘላቒ ሸቶ ልምዓት ኣብ ዝኣተናሉ እዋን ብዙሕ ክዝረበሉ ዝግባእ ምዕባለ ኣሎ።ምኽንያቱ ኤርትራ ኣብ ብዙሓት ሚሊኒየማዊ ሸቶታት ብዙሕ ምዕባለታት ኣዐዊታ እያ።ብፍላይ ድማ ምስ ጥዕና ኣብዝተኣሳሰሩ ሸቶታት፣ሞት ህፃናት ኣብ ምንካይ፣ፅሩይ ዝስተ ማይ ኣብ ምቕራብ፣ውሕስነቱ ዝተረጋገፅ ወሊድ ኣብ ምርግጋፅን ካልኦትን ተዓዊታ እያ።”

ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝተሓንፀፁ ፕሮግራማት ነባሪ ክኾኑ ብ328 ሚሊዮን ዶላር ይስርሑ ዘለው ፕሮግራማት ቀጻልትን ተደጋገፍትን ክኾኑ እዮም ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG