ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተዓዘብቲ ኣብ መንጎ ቱርኪን ኣርመኒያን ርክባት ምምሕያሽ ኣርኣዩ ኣሎ ይብሉ


ዶብ ኣርማኛን ቱርኪን
ዶብ ኣርማኛን ቱርኪን

ቱርክኒ ኣርመኒያን ኣብ ሞስኮ ድሕሪ ምዝርራበን ዶባት ክልቲአን ሃገራት ዳግም ንምኽፋት ይግበር ዘሎ ፃዕርታት ምልክታት ምምሕያሽ ይርእዩ ከምዘለው ተዓዘብቲ ይገልፁ።ካብ 1993 ኣ\ፈ ጀሚሩ ርካብተን ዝተቛረፀ ክኸውን ከሎ ዳግም ምምሕያሹ ግን ነቲ ዞባ ዝቕይር እዩ ይብሉ ተንተንቲ።ክልቲኦም ወገናት ንገለ ዕንቅፋታት ክሰግሩ ኣለዎም ይብል ፀብፃብ ዶሪያን ጆንስ።

ሓይልታት ኣርመኒያ ንግዝኣት ኣዘሪ ድሕሪ ምሓዞም ቱርኪ ምስ ኣርመኒያ ዘራኽባ ዶባ ኣብ 1993 ኣ\ፈ ዓፅያቶ።

ሓይልታት ኣዘሪ ኣብ 2020 ኣ\ፈ ንግዝኣቶም መሊሶም ምቁፅፃሮም ርክባት ቱርክን ኣርሜኒያን ዳግም ክጅመር ዕድል ሂቡ ይብሉ ገለ ተንተንቲ።ኣብ ስታንቡል ዝመደብሩ ማእኸል ፖሊሲ መፅናዕትታት ቁጠባን ወፃኢን ዝሰርሕ ሲናን አልጀን ከምዚ ይብል።

ሎሚ ኣብ መንጎ ኣርመኒያን ቱርክን ርክባት ክይህሊ ዝኽልክል ንፁር ዝኾነ ማሕለኻ የለን ዝበለ ንሱ ምኽኒያቱ ቱርኪ ነቲ ዶብ ንምዕፃው ዝወሰነት ኣብ 90ታት ብሰንኪ ዝተፈፀመ ምቁፅፃር ግዝኣታት እዩ፤ሎሚ እዚ ምኽኒት ተገሊሁ ኣሎ፤ኣብ ልዕሊኡ ድማ ብዛዕባ ርክባት ቱርክን ኣርመኒያን ካብ ባኩ ኣወንታዊ መልእኽቲ ይስማዕ ኣሎ እዩ ኢሉ ኣሎ።

ልኡኻት ቱርኪን ኣርመኒያን ርክባ ናብ ንቡር ንምምላ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሞስኮ ተራኺቦም።ክልቲኦም ወገናት እቲ ዝርርብ ሃናፂ ነይሩ ክብሉ ገሊፆምዎ ኣለው።

ርክቦም ንምምሕያሽ ኣብ ዝገብሩዎም ፃዕርታት ዕንቅፋት ዝኸውን ታሪኽ እዩ።ኣርመኒያ ስርዓታት ኦቶማን ኣብ እዋን ካልኣይ ኵናት ዓለም ኣብ ልዕሊ ውሑዳን ናይ ቱርኪ ኣርመኒያዊያን ምፅናት ዘርኢ ፈፂሞም ክትብል ትኸስስ። ኣንካራ እቲ ሞት ኣካል ሕድ ሕድ ኵናት እዩ ክትብል ዘርኢ ምፅናት ኢላ ንምፃዋዕ ፍቓደኛ ኣይኮነትን።

የረቫን እቲ ሕሉፍ ንፃዕርታት ምቅርራብ ስግኣት ክኸውን ድልየት የብላን።ርክባት ናብ ንቡር ምምላስ ዕርቂ ማለት ኣይኮነን ይብል ዳይረክተር ማእኸል ዞባዊ መፅናዕትታት ሪቻርድ ጊራጎሲያን።እዚ ብዛዕባ ናይ ኣርመናዊያን ምፅናት ዓሌት ከይኮነስ መሰረታዊ ናይ ጉርብትና ጉዳይን ዶባት ብምኽፋት ዲፕሎማሲያው ርካብት ምምስራትን እዩ ይብል ወሲኹ።

ዶባት ቱርኪን ኣርመኒያን ምኽፋቱ ኣብ ጎረባብታ ሩሲያን ኢራንን ትምስረት ዝነበረት ፅግዕተኝነታ ዘቕልል እዩ።

ኣብ መንጎ ቱርክን ኣርመኒያን ሓዱሽ በረራ ከምዝጅመር ምእዋጁ ቀዳማይ ፍረ እቲ ምቅርራብ እዩ።ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዶብ ኣዘሪን ኣርመኒያን ግጭት ተፈጢሩ ሰለስተ ሰባት ምማቶም እቲ ስግኣት ከምዘሎ ዝሕብር እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:37 0:00


XS
SM
MD
LG