ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዝተኻየዱ ናይ ኣሜሪካ ፕሬዝዳንትዊ ክትዓት ኣፍሪካ ብዝግባእ ኣይተልዓለትን ይብሉ ክለተ ኣጋይሽ


ኦባማን ራምኒን እንትካትዑ
ኦባማን ራምኒን እንትካትዑ
ኣብ ፖሊስታት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ተመስሪቱ ኣብዝተኻየደ ናይ ብቕድሚ ትማሊ ሰኒ ፕሬዝዳንትዊ ክትዕ ኦባማ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ተመክሩኦም ዘረጋገፅሉ ሚት ራምኒ ድማ ተለዋዋጢ መርገፂ ዘርኣይሉ እዩ ክብሉ ኣብቲ ጉዳይ ዘዘራረብናዮም ክልተ ክኢላታት ገሊፆም።
ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዓለምለኸ ትካል ስዱዳት ዝሰርሑ ኣቶ ዑመር መሓመድ ኑር ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ዝወሰኑዎም ከበድቲ ውሳነታት ኣርጊፆም ዘቐመጥሉ እዩ ኢሎም።
ተመሳሳሊ ሪኢቶ ዝሃቡ መምህር ምህዞ ስነ ፅሑፍ ዝኾኑ ኣቶ ሃይለሚካኤል ሃይለስላሰ ካብ ሚኒሶታ ብወገኖም ፕሬዝዳንት ኦባማ ሞት ኦሳማ ቢንላዲን ሓዊሱ ዝሰርሑዎም ጭቡጣት ነጥብታት ብምቕማጦም ዝዓብለልሉ እዩ ኢሎም።
ጉዳይ ኣፍሪካ ኣብቲ ክትዕ ከም ብዋዛ ምስ ኻሊእ ነገር ብምትእስሳር እምበር በቲ ዝግብኣን ክንዲ ዕብየታን ቆላሕታ ኣይተውሃባን እውን ኢሎም ኣቶ ሃይለሚካኤልን ኣቶ ዑመርን።
እቲ ውድድር ኣዐሪዩ ፀቢብ ከምዝኸውን እንተኾነ ግን ኦባማ ከምዝስዕሩ ክልቲኦም ተንቢዮም ኣለው።
please wait

No media source currently available

0:00 0:14:13 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG