ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚት ራምኒ በብእዋኑ ሓሳቦም ዝቐያይሩ ሰብ እዮም ክብሉ ፕሬዝዳንት ኦባማ ነቒፎም


ፕረዚደንታዊ ክትዕ ኣሜሪካ
ፕረዚደንታዊ ክትዕ ኣሜሪካ
ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማን ሪፓብሊካዊ መነሓንሕቶም ሚት ራምኒን ትማሊ ምሸት ኣብ ፖሊስታት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ኣተኪሮም ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክርክር ኣካይዶም ኣለው።

እቲ ክትዕ ሚት ራምኒ ኣብ ጉዳያት ወፃኢ ዘሎ ጥርጣረ ናይ ኣተኣላልያ ተኽእሎ ንምውጋድ ፕሬዝዳንት ኦባማ ድማ ኣብ ኣተሓሕዛ ፖሊስትታ ወፃእን ኣብ ጉዳያት ሃገራዊ ፀጥታን ዝሓሹ ከምዝኾኑ ንምርኣይ ዝፈተንሉ እዩ ነይሩ።

ክልቲኦም ተወዳደርቲ ኣብ ጉዳይ ናይ ምክልኻል ወፃኢ’ውን ተኸራኺሮም ኣለው።ራምኒ ፕሬዝዳንት በራክ ኦባማ ካብ ዝፈረምሉ ፖሊስ ጥዕና ዩናይትድ ስቴትስ ሓዊሱ ናይ መንግስቲ ናይ ወፃኢ ፕሮግራማት ብምንካይ ዓብዪ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ሰራዊት ንምህናፅ ሓሳብ ኣቕሪቦም ኣለው።

ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:48 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG