ዋሽንግተን —
ፕረዝደንት ኣሜሪካ ባራክ ኦባማ ኣብ ዘመን መሪሕነቶም ዘጋጠመ ዝዓበየ ጌጋ ኣብ ጽባሕ’ቲ ብሃገራት ኪዳን(ኔቶ) ዝተመርሐ ንመዓመር ጋዳፊ ዝዓለወ ናይ 2011 ዓ.ም.ፈ ኣብ ሊብያ ዝተኻየደ ምትእትታው ንዝመጽእ ኩነታት ዘይተዳለውሉ ምኳኑ ገሊጾም።
ፕረዝደንት ኦባማ ነዚ ዝገለጹ ምስ ቴሌቭዥን ፎክስ ኒውስ ኣብ ናይ ዋይት ሃውስ ክልተ ጊዜ ናይ መሪሕነት ዘመኖም ዝነበረ ላዕልን ታሕትን ምልስ ኢሎም ዝረአይሉ ቃለ-መጠይቅ ኣብ ዝካየድሉ’ዩ።