ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዝደንት ኦባማ ኣብ ቬትናም ከካይድዎ ዝጸንሑ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ዛዚሞም


ፕረዝደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ቬትናም ዘካይድዎ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዑደት ውልቃዊ ምልውዋጥ ተመክሮ ምስ መንእሰያት’ታ ሃገር ኣብ ከተማ ሆቺምኒህ ብምኽያድ ሎሚ ረቡዕ ዛዚሞም። ኣብዚ ርክቦም እቶም ፕረዝደንት ብነጻነት ሓሳብካ ምግላጽ፡ መሃዝነትን ክብሪ ሰብአዊ መሰላትን ክተባባዕ ዘለዎ’ዩ ክብሉ ገሊጾም ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ቬትናም ንልዕሊ 50 ዓመታት ዝጸንሐ ናይ ኣጽዋር እገዳ ምልዓላ’ውን ገሊጾም’ለው።

ፕረዝደንት ኦባማ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሆቺምኒህ ዝተኻየደ ርኽብ ምስ መንእሰያት ቬትናም ሕጉስ ምኻኖም ሓቢሮም። እዞም መንእሰያት ኣባላት’ቲ እቲ ተበግሶ መንእሰያት መራሕቲ ደቡብ ኤስያን ኤስያን ዝተባህለ ጉጅለ ኮይኖም እቲ ተበግሶ ብፕረዝደንት ኦባማ ኣብ 2013 ዓ.ም ዝተጀመረ’ዩ።

ኣብዚ ኣጋጣሚ ናይ መወዳእታ ሕቶ ነቶም ፕረዝደንት ከተቐርብ ዕድል ዝረኸበት ጓል 26 ዓመት ሱቦይ ሙዚቀኛ (ራፐር) ኮይና ቅድሚ ሕቶኣ ንፕረዝደንት ምቅራባ ፕረዝደንት ኦባማ ገለ ካብ ስርሓታ ከተቕርብ ሓቲቶማ ኔሮም።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ፕረዝደንት ኦባማ ንመሰል ሓሳብኻ ብነጻነት ምግላጽ አተባቢዖም። ነቶም ፕረዝደንት ዝቐረበሎም ካልእ ሕቶ ብኸመይ ዓብይ መራሒ ክትኸውን ትኽእል ዝብል’ዩ ኔሩ።

‘ ብመጀመርያ ሓደ ነገር ክነግረኻ ኣነ ኣብ ናትኻ ዕድመ ኣብ ዝነበርኽሉ እዋን ዝተራቐቐ ኣይነበርኹን። ንኡሽተይ ኣብ ዝነበርክሉ እዋን ብዙሕ ጸወታ የብዝሕ ኔረ ንትምህርተይ’ውን ብዙሕ ዝግደስ ኣይነበርኹን። ዳሕራይ ግን ዕቱብ ኽኸውን ጀሚረ።’

ፕረዝደንት ኦባማ ብተወሳኺ ምስ መራሕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘካየድዎ ርኽብ መራሕቲ’ታ ሃገር ስብኣዊ መሰለት ዜጋታቶም ከኽብሩ ጸዊዖም።

ድሒሮም ፕረዝደንት ኦባማ ምስ ወነንቲ ትካላት እታ ሃገር ብምርኻብ ኣብ ምምዕባል ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።

ፕረዝደንት ኦባማ ኣብ ኣህጉር ኤስያ ዘካይድዎ ምብጻሕ ናብ ጃፓን ብምምራሕ ኣብ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት G -7 ብምስታፍን ንሂሮሽማን ብምብጻሕን ክዛዘም’ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፕረዝደንት ኦባማ ኣብ ቬትናም ከካይድዎ ዝጸንሑ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ዛዚሞም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:39 0:00

XS
SM
MD
LG