ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕ/መ ዘስምዕዋ መደረ


President Barack Obama addresses the 66th session of the United Nations General Assembly at U.N. headquarters, September 21, 2011.
President Barack Obama addresses the 66th session of the United Nations General Assembly at U.N. headquarters, September 21, 2011.

ምስረታ ሃገረ-ፍልስጠም ብልዝብ'ምበር ብውሳኔ ሕ/ሃ ኣይረጋገፅን ኢሎም


ንትካል ሕ/መ ዘቆሙ ሰባት፣ሰላም ማለት ልዕሊ ኣልቦ-ኲናት ምኻኑ ይርደኦም ነይሩ‘ዩ ዝበሉ ፕረዚደንት ኦባማ፣ነባራይ ሰላም ንሃገራትን ውልቀ ዜጋታትን ብመንፅር ፍትሒ፣ዕድላት፣ክብሪን ናፅነትን‘ዩ ዝግለፅ ኢሎም። ብመንፅር ቃልስን መስዋእትን፣ኣብ እንካን-ሃባን ሓባራዊ ሰብኣዊነት‘ውን እዩ ዝዕቀን ኢሎም።

ዩ-ስ ኣብ ክልተ ኲናት ኣብ ዝጣሓለትሉ እዋን ስልጣን ከምዝተረከቡ ዝሓበሩ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ሚስተር ኦባማ፣ንዩ-ስ ናብ‘ቲ ኲናት ዝሳሓብዋ ኦሳማ ቢን ላደንን ጉጅልኡ ኣል-ቃይዳን‘ውን መርየት ኣሳፊሖም ሒዞም ነይሮም።ሎሚ ግና እቲ ስእሊ ተቀይሩ‘ሎ ኢሎም።

”ኣብ ምዝዛም‘ዚ ዓመት‘ዚ፣ወፍሪ ኲናት ዒራቅ ከብቅዕ‘ዩ።ኣባል ሕ/መ ምስ ዝኾነት ሉኣላዊት ሃገር ንቡር ርክብ ክህልወና‘ዩ።እቲ ማዕርነታዊ ርክብ ንዒራቅ ብንልግሶ ሓገዝ ክጠናኸር‘ዩ” እውን ይብሉ።

ብተወሳኺ ኣሜሪካ ነተን ናብ ዴሞክራሲ ዘቅናዓ ዘለዋ ሃገራት ብረብሓታት ንግዲን ኢንቨስትመንትን ክትድግፍን ናፅነት ብዕድላት ክትስንዮን‘ያ።ምስ መንግስታትን ሲቪካዊ ማሕበረ-ሰባትን ምስ ተማሃሮ፣ ሰብ-ሃብቲ፣ፖለቲካዊ መራሕቲን ሚድያን ክትራኸብ‘ያ ኢሎም።

ኦባማ ወሲኾም ”ነቶም ሰብኣዊ መሰላት ዝጭፍልቁ ናብ ኣሜሪካ ንከይኣትው ኣጊድናዮም ኣለና።ኣብ ወፃኢ ኮይኖም ንሰብኣዊ መሰላት ዝረግፁ‘ውን ማዕቀብ ኣንቢርናሎም ኣለና።መቃልሕ ናይ‘ቶም ድምፆም ተዓቢጡ ዘሎ ህዝብታት ኮይና ክነግልግል ኢና” ይብሉ።

ዓሚ ኣብ ተመሳሳሊ መድረኽ ኮይኖም ንናፅነት ሃገረ-ፍልስጤም ከምዝፀውዑ ዝጠቀሱ እቶም ፕረዚደንት፣ሎሚ‘ውን እምነቶም ከምዘይተቀየረን፣ሓድሽ መስርሕ ሰላም ከምዘተኣታተውን ሓቢሮም።
ብዙሓት ብምጉታት‘ቲ መስርሕ ቅሬታ ከምዝሓደሮም ይርዳኣኒ‘ዩ፣ኣነ‘ውን ንርእሰይ ቅር ይብለኒ’ዩ።እንተኾነ እቲ ሕቶ፣ከመይ ገይርና ንሰጉም ዝብል ኮይኑ‘ሎ ኢሎም።

ነባራይ ሰላም፣ኣብ‘ሞንጎ‘ቶም ድሕሪ መደረ ምስማዕናን ድምፂ ምሃብናን፣ ጎና ጎኒ ዝነብሩ ህዝብታት ዝገብርዎ ልዝብ‘ዩ ዝውሰን።ተመክሮ ሰሜናዊ ኣየርላንድ ዝምህረና ንሱ‘ዩ።ነዊሕ ዝፀንሐ ምቁሳል ተኣልዩ።ተመክሮ ሱዳን ዝምህረና እዚ‘ዩ።ልዝብ ናብ ምቋም ናፃ ሃገር ኣብፂሑ።መንገዲ ምቋም ሃገረ ፍልስጥኤም ክኸውን ዝግባእ‘ውን እዚ‘ዩ ባሃላይ‘ዮም ኦባማ።

ደርቂን ግጭትን ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጥምየት ኣብ ዘስዐብሉ ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ፣ሕልናና ንክንብገስ ደሪኹና‘ሎ።ናብ‘ቶም ተፀበይቲ ረድኤት ንዘባፅሑ ትካላት ንምሕጋዝ ኣእዳውና ክንዝርግሕ ይግባእ።ንኣሻሓት ሰብኡት፣ ኣዴታትን ህፃናትን ንምድሓን ሓቢርና ክንተግህ ይግባእ።ስብእናና ኣብ ሓደጋ ይኣቱ‘ሎ።ህይወት ቆልዓ ሶማልያ፣ማዕረ ህይወት ቆልዓ ካልእ ሃገር ምኻኑ ክነርኢ ኣለና ኢሎም እቶም ፕረዚደንት።

XS
SM
MD
LG