ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናተይ ከይኮነስ ተኣማንነት ማሕበርሰብ ዓለም ኣብ ሕቶ ወዲቑ’ሎ ኢሎም ፕሬዝዳንት ኦባማ


EU Obama Sweden
EU Obama Sweden
ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ሶሪያ ኣብ ልዕሊ ዜጋታታ ፈፂማቶ ንዝተብሃለ ኬሚካላዊ መጥቓዕቲ መልሲ እንተድኣ ዘይተዋሂቡ ናቶም ከይኮነስ ናይ ማሕበረሰብ ዓለም ተኣማንነት ኣብ ሕቶ ክኣቲ እዩ ኢሎም።ፕሬዝዳንት ኦባማ ምስ ቀዳማይ ምንስቴር ስዊድን ፍረድሪክ ረይንፈልድ ኣብ ስቶክሆልም ንጋዜጣኛታት ኣብዝሃብዎ ሪኢቶ እዮም ነዚ ዝገለፁ።

ክልቲኦም መራሕቲ ብሓባር ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብ ልዕሊ ናይ ሶሪያ ወታደራዊ ትካላት ስጉምቲ ንኽውሰድ ንቤት ምኽሪ ዩናይትድ ስቴትስ ዘቕረብዎ ሓሳብ እንተድኣ ተነፂጉ ተኣማንነቶም ክጉዳእ እዩ ንዝብል ንዝቐረበ ሓሳብ ፕሬዝዳንት ኦባማ ነፂጎምዎ።

‘’ቅድሚ ኩሉ ኣነ ቀይሕ መስመር ኣየስመርኩን።ቀይሕ መስመር ዘስመረ ዓለም እዩ።’’ ዝበሉ ኦባማ ን98 ሚእታዊ ህዝቢ ዓለም ዝውክሉ መንግስታት ኬሚካላዊ ኣፅዋር ዘፀይፍ ስለዝኾነ ሃገራት ኣብ ውሽጢ ኵናት ዋላ እንተኾና’ውን ምጥቃም ኬሚካላዊ ኣፅዋር ንዝእግድ ስምምዕ ብምፅዳቕ ነቲ ቀይሕ መስመር ኣስሚሩ እዩ ኢሎም።

ነቲ ዓለምለኸ ውዕል ዘፅደቐ ቤት ምኽሪ ዩናይትድ ስቴትስ እውን ዓለምለኸ ስምምዕ ንክኽበር ሓላፍነት ኣለዎ ኢሎም ኦባማ።’’ተኣማንነተይ ኣብ ሕቶ ኣይወደቕን።ተኣማንነት ማሕበረሰብ ዓለም እዩ ኣብ ሕቶ ኣትዩ ዘሎ።ተኣማንነት ኣሜሪካን ኮንግረስን ኣብ ሕቶ’ሎ።’’

ፕሬዝዳንት ኦባማ ዓቕሚ ኬሚካላዊ ኣፅዋር ሶሪያ ንዝተብሃለ ንምልማስ ዝሃቀነ ውሱን ወታደራዊ ደብዳብ ንኽፍፀም ካብ ኮንግረን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ፍቓድ ይሓቱ ኣለው።

ድሕሪ ናይ ስቶክሆልም ዑደቶም ኣብዝካየድ ኣኼባ ጉብኤ ጉጅለ-20 ንምስታፍ ናብ ፐትስበርግ ሩሲያ ክጉዓዙ እዮም።ኣብቲ ኣኼባ ንሶሪያ ንምጥቓዕ ደገፍ ማሕበረሰብ ዓለም እውን ክሓቱ እዮም።
XS
SM
MD
LG