ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ሱዳን ኹናት ጠጠው ክብል ፀዊዖም


ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ሱዳን ንዘለዉ ተዋጋእቲ ነቲ ንናይ 2005 ዓ.ም ሓፈሻዊ ውዕል ሰላም ዘስግአ ኹናት ጠጠው ንኸብሉ ተማሕፂኖም።

ፕረዚደንት ኦባማ ትማሊ ኣማስያኡ ኣብ ዝህብዎ መግለፂ እቲ ኹናት ጠጠው ክብል አለዎ ኢሎም። ክልቲኦም ወገናት ነቲ ህውከት ጠጠው ንምባል ክሰማምዑ አለዎም፣ ሰራሕተኛታት ረድኤትን ቀረባትን ብናፃ ክመሓላለፍ ክፈቅዱን፣ ንዝአተውዎ ቃል ከኽብሩን ብመሰረት'ቲ ሓፈሻዊ ስምምዕ ሰላም አፈላላዮም ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሑን አለዎም ክብሉ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ አፍሊጦም።

ናብ መራሕቲ ሱዳን ብዘቅነዔ ዘረበኦም ፕረዚደንት ባራክ ኦባም "ሎሚ nመራሕቲ ሱዳን ብቀጥታ ክዛረቦም እደሊ። ግቡእኹም እንተፈፂምኩምን ሰላም እንተመሪፅኩምን ንንቡር ዝምድና ዝአተናዮ ቃል ንምፍፃም ኣሜሪካ ስጉምቲ ክትወስድያ። እንተኾነ'ቶም ንዓለም-ለኸ ግቡኦም ዘይፈፀሙ ተወሳኺ ምግላል ክገጥሞም'ዩ ብተግባሮም ኸአ ክሕተቱ'ዮም" ክብሉ አጠንቂቆም።

እቲ ናይ ፕረዚደንት ባራኽ ኦባማ መልእኽቲ ሰሜን ሱዳን ንምስሕሓብ ዞባ ኣብየን ደቡባዊ ኮርዶፍንን ወታሃደራዊ ፍታሕ እንተሰዒባ እቲ ከይዲ ርክባት ናብ ንቡር ምምላስ ኣብ ሓደጋ ከም ዝአቱ ዘጉልህ'ዩ።

XS
SM
MD
LG