ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት ኦባማ እዛ ዓመት ናይ ተግባር ዓመት ክትኸውን ፀዊዖም


U.S. President Barack Obama delivers his State of the Union speech on Capitol Hill in Washington, January 28, 2014. REUTERS/Larry Downing (UNITED STATES - Tags: POLITICS) - RTX17Z32
U.S. President Barack Obama delivers his State of the Union speech on Capitol Hill in Washington, January 28, 2014. REUTERS/Larry Downing (UNITED STATES - Tags: POLITICS) - RTX17Z32
ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ State of the Union ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ንኽልቲኡ ኣብያተ ምኽሪን ንህዝቢ ኣሜሪካን ትማሊ ምሸት ሰሉስ ኣብዘስምዕዎ መደረ ኣሜሪካ ብርትዕቲ ንኽትኸውን ብምግባሮም ንህዝቢ ኣመስጊኖም።ትፅቢት ከምዝተገበረሉ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ብምትኳር እዛ ዓመት ናይ ተግባር ዓመት ክትኸውን ፀዊዖም።

ዋሽንግተን ንኣዋርሕ ኣብ መሪር ፖለቲካዊ ስሓቦ ጉተቶ ዝፀንሐት’ዃ እንተነበረት ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ መደረ ንምስማዕ ናብ መድረኽ ምስ ኣተው ግን ድሙቕ ኣቀባብላ ነይሩ ዝተገበረሎም።’’ሕብረትና ፅኑዕ ንኽከውን ዝገበርኩም ንስኻትኩም፣ዜጋታትና ምዃንኩም ሎምሸት እዚ ጉባኤ እዚ ብሓደ ድምፂ የስምዐኩም ኣሎ።’’ ክብሉ ንህዝቢ ንምምስጋን ብዙሕ ግዜ ኣየጥፍኡን።

ዝበዝሕ መደረ ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣብ ናይ ዩናትድ ስቴትስ ቁጠባን ማእኸላይ እቶት ዘለዎም የጋጥሞም ዘሎ ፈተናን ብምትኳር ኩነታት ይመሓየሽ ከምዘሎ ግን መረጋገፂ ሂቦም ኣለው።ኣስዒቦም ‘’ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት ንፈለማ ግዜ ኣብዙሪያ ዓለም ዝርከቡ መራሕቲ ንግዲ ኢንቨስትመንት ንምግባር ቁፅሪ ሓደ ቻይና ምዃና ተሪፋ ኣሜሪካ እያ ኢሎም ኣለው’’ኢሎም።

ቁጠባዊ ዳግመ ሕውየት ዋላ እንተርኣና እውን ብዙሓት ኣሜሪካዊያን ናብርኦም ንምድፍፋእ ብዙሕ ይሰርሑ ኣለው፤ኣዝዮም ብዙሓት ድማ ስራሕ የብሎምን ኢሎም።
ዝተሰበረ ዝበልዎ ስርዓት ኢሚግሬሽን ምዕራይ ከም ሓደ ምፍትሒ ኣቕሪቦም ኣለው ኦባማ።
ንሪፓብሊካዊያን ፓርቲ ወኪለን ትማሊ መሸት ንናይ ፕሬዝዳንት ኦባማ መደረ መልሲ ዝሃባ ካብ ክፍለ ግዝኣት ዋሽንግተን ዝተወከላ ኣባል ኮንግረስ ካቲ ሚክ-ሞሪስ ሮጀርስ እየን። ናይቶም ፕሬዝዳንት ፖሊስታት ንመነባብሮ ህዝቢ ኣፀጋሚ ይገብሮ ስለዘሎ ሎሚ ብዙሓት ሰባት ንድሕሪት ይተርፉ ኣለው ኢለን።

ተራኢዩ ዘይፈልጥ ዝበልኦ ናይ መንግስቲ ወፃኢ፣ምንሃር ግብሪን ስራሕ ኣልቦነትን ንምዕራይ ሓቃዊ ስጉምቲ ክወስዱ እውን ፀዊዐን።

ቁልፊ ናይ ወፃኢ ፖሊስታት ሎሚ’ውን ኣብ መንጎ ኣባላት ኮንግረስን ፕሬዝዳንት ኦባማን መፈላለይ ነጥብታት ኮይኖም ቀፂሎም ኣለው።ንኣል-ቃይዳን ካልኦት ኣሸበርትን ምህዳን ከምዝቕፅልሉ ቃል ብምእታው እንተኾነ ዩናይትድ ስቴትስ ንጉዳይ ኢራን ብዝተፈለየ ኣገባብ ክትሕዞ ይግባእ ኢሎም።

ምስ ኢራን ንዝካየድ ዝርርብ ንድሕሪት ዝጎትት ብኮንግረስ ንዝቐርብ ዝኾነ ይኹን ናይ ማዕቐብ ሕጊ ብድምፂ ከምዝስዕርዎ ኣጠንቂቖም ኣለው ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ።
XS
SM
MD
LG