ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጠባ ኣሜሪካ ይዓቢ ኣሎ ኢሎም ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ኣብ ዓመታዊ መደረኦም


ሕቶ ስደተኛ ክንምልስ ይግባእ'ውን ኢሎም

ድሕሪ ምምራፆም ንካልኣይ ጊዘ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ስተት ኦፍ ዘ ዩንየን (ሃለዋት ሃገር) ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ኣሜሪካ ኣብ ትምህርቲ፡ምህዞታት፡መሓውራዊ ቅርፅን ኢንቨስትመንት ክተዋፍር ፀዊዕም።

ኣሜሪካ ኣብ ዓለም እታ ምቹእቲ ሃገር ስራሕ ንምግባር ክንፅዕር ኣለና'ውን ኢሎም።ሚስተር ኦባማ ወሲኾም ኣሜርካ ኣብ ድርኹኺት ምዕባለ'ያትርከብ ዋሽንግተን ንኣሳሓሓቢ ጉዳይ ስደተኛታት ፍታሕ ክትገብረሉ ኣለዋ'ውን ኢሎም።

ኣሜሪካ ኣብ ዓለም ዘለዋ ተቐባልነት ናብ ቦትኡ ተመሊሱ'ዩ፡ኹናት ዒራቅ ኣብቒ'ሎ፡ሓይልታት ኣፍጋኒስታን ድማ ፀጥታ'ታ ሃገር ይርከብዎ'ለው ይብሉ ሚስተር ኦባማ።

ንኣሜሪካን ህዝባን ንምጉዳእ ንዝንቀሳቀሱ ሓይልታት ከጠንቅቁ ከለው ድማ፡ካብ ጫፍ ኣፍጋኒስታን ክሳብ ወሽመጥ ዓረብ ከምኡውን ክሳብ ጫፍ ዓለም፡ከይተሓለልናን ከይሰልከናን ክንምክተኩምን ክንስዕረኩምን ኢና ዝብል መልእኽቲ ኣማሓላሊፍና ኢና በሉ።

XS
SM
MD
LG