ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት ኦባማ ISIL ንምድምሳስ ዘኽእል ስትራተጂ ንዝህቢ ኣሜሪካ ኣቕሪቦም


ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ኣንፃር እስላማዊ መንግስቲ ዒራቕን ሶሪያን/ISIL/ ዝካየድ መጥቓዕቲ ኣየር ስትራተጂኦም ነፂሮም።ንቶም ናዕበኛታት ንምግጣም ምምሕዳሮም ሰፊሕ ዓለምለኸ ጥምረት ከምዝተሓባብር ሓቢሮም።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ትማሊ ረቡዕ ንህዝቢ ኣሜሪካ ኣብዘስምዕዎ መደረ እቲ ስትራተጂ ነፈርቲ ውግእ ዩናይትድ ስቴትስ ኣንፃር ISIL ደብዳብ ካብ ዘካይዳሉ ካብ ዒራቕ ዝዘለለ እውን እዩ እውን ኢሎምዎ።

ንሃገርና ዘስግኡ ኣሸበርቲ ኣብዝኣትውዎ ኣቲና ክንሃድኖም ኢና ምስ ዝበሉ ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣብ ውሽጢ ሶሪያ ይኹን ኣብ ዒራቕ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ISIL ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ድሕሪ ኣይብልን ኢሎም።እዚ ቀንዲ መትከል ናይ ፕሬዝዳንት ዘበነይ እዩ ምስ በሉ ኣስዒቦም ‘’ንኣመርካ ተስግእ እንተኾንኻ መሕብኢ የብልካን’’ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ ISIL ዝካየድ መጥቓዕቲ ንኔቶ፣ብሱኒ ንዝምርሑ መንግስታት እቲ ዞባ ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ ሶሪያ ንዝርከቡ ለዘብተኛ ሓይልታት ተቓወምቲ ከተሓባብሩ ወሲኖም ኣለው ፕሬዝዳንት ኦባማ።

ዕላማ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ቀረባ ግዜ ንኽሳድ ክልተ ኣሜሪካዊያን ጋዜጠኛታት ብምቕንጣስ ንኣሜሪካዊያን ዘሰቀቑ ናዕበኛታት ንምድኻምን ንምድምሳስን እዩ ኢሎም እቶም ፕሬዝዳንት።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ጆን ኬሪ ኣንፃር ናዕበኛታት እስላማዊ መንግስቲ ዓለምለኸ ጥምረት ንምምስራት ምስ መራሕቲ ዓረብ ንምዝርራብ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ይርከቡ።

ምሉእ መደረ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ብምስሊ፣ድምፂን ፅሕፉን ንምርኣይ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መርበብ ሓበሬታ ይፅቀጡ።

http://www.whitehouse.gov/blog/2014/09/10/president-obama-we-will-degrade-and-ultimately-destroy-isil

XS
SM
MD
LG