ዋሽንግተን —
ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣብ ዋይት ሃውስ ነቲ ምርቋሕ እዞም ዳኛ ወግዓዊ ኣብ ዝገበርሉ እዋን ጋርላንድ በሊሕ ናይ ሕጊ ፍልጠት ዘለዎም ሰብ እዮም ኢሎምዎም።
‘ነዚ ኣድካሚ መስርሕ ወዲአ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ውሳነ በጺሐ ኣለኹ።ንሕጸ ኣቕሪበዮ ዘለኹ ብብዙሓት ተቐባልነት ዝረኸበ ናይ ኣሜሪካ በሊሕ ናይ ሕጊ ፍልጠት ዘለዎ ሰብ ብምዃኑ ጥራሕ ከይኮነስ ምቕሉልነት፣ቅንዕና፣ትሕትናን ዓብዪ ክእለትን ናብቲ ስራሕ ሒዙ ዝመጽእ ዘሎ ሰብ እዩ።’
ለዘብተኛ መርገጺ ከምዘለዎም ዝዝረበሎም ወዲ 63 ዓመት ጋርላንድ ዋና ዳኛ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ሰማዒ ጥርዓን ኮይኖም ኣብ ምስራሕ ይርከቡ።
ሓድሽ ዝሽወም ዳኛ ናይቲ ቤት ፍርዲ ስነ ሓሳባዊ ኣመለኻኽታ ወይ ኣይዶሎጂ ናብ ለዘብተኛ ወይ ዓቃባዊያን ከመዝን ስለዝገብር እዩ እቲ ሽመት ዘሰሓሕብ ዘሎ።ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣብ ናይ መወዳእታ ናይ ስልጣን ዓመቶም ስለዝርከቡ ንዝጎደለ ዳኛ ክመልእ ዘለዎ እቲ ዝቕጽል ዳኛ ክኸውን ኣለዎ’ውን ይብሉ ሪፓብሊካዊያን።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።