ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተወሳኺ ማዕቀብ ኣንቢሮም


ፕረዚደንት በራክ ኦባማ
ፕረዚደንት በራክ ኦባማ
ሩስያ ንክሪምያ ስለዝጎበጠት፣ተወሳኺ ማዕቀብ ኣንቢሮም ፕረዚደንት በራክ ኦባማ።

ኣብ ፕረዚደንታዊ ቤት ፅሕፈት (ዋይት ሃውስ) ኮይኖም መግለፂ ሎሚ ዝሃቡ እቶም መራሒ ኣሜሪካ፣ኣብ ልዕሊ‘ቶም ንወሽመጥ ፀሊም ባሕሪ ኣብ ምጉባጥ ተሳትፎ ኣለዎም ዝተባሃሉ ሩስያዊያን ማዕቀብ ኣንቢረ‘ለኹ ኢሎም።

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ 21 ሩስያዊያን ሰበ-ስልጣን ምስ ኡክረይን ብዝተኣሳሰረ መንገዲ ማዕቀብ ከምዘንበረት ዝዝከር‘ዩ።

እዚ ማዕቀብ‘ዚ፣ናብ ቁጠባ ሩስያ ኣነፃፂሩ ክትግበር ይኽእል‘ዩ ኢሎም‘ለው ፕረዚደንት ኦባማ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ብጠንቂ ሩስያ ናብ ወሽመጥ ክሪምያ ዝፈፀመቶ ገስጋስ፣ ኣውሮዻዊ ሕብረት ተወሳኺ ማዕቀብ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ንምትግባር ይቀራረብ‘ሎ።

መራሒት ጀርመን ኣንጌላ መርክል ሎሚ ንኣባላት ፓርላማ ሃገረን ኣብ ዘስመዐኦ መግለፂ፣እቲ ሕብረት ኩነታት እንተንቆልቊሉ ቁጠባዊ ማዕቀብ ዝሓውስ ሳልሳይ ብርኪ ማዕቀብ ንምትግባር ቅሩብ‘ዩ ኢለን።

ኣብ ክሪምያ ወራር ንክፍፀም ተራ ነይርዎም ኣብ ልዕሊ ተባሂሎም ዝተጠቅሱ ሰበ-ስልጣን ሩስያ ናይ መገሻን ምድስካል ገንዘብን ከምዝተተግበረ እቲ ዜና ይጠቅስ።

ሞስኮ ንክሪምያ ኣካል ሩስያ ዝገብር ውዕል ምስ ከባቢያዊ ሰበ-ስልጣን ከምዝተፈራረመት ዝዝከር‘ዩ።መብዛሕተኦም ተዛረብቲ ሩስያኛ ዝኾኑ ደቂ ክሪምያ ብዓብላሊ ድምፂ ካብ ኡክረይን ተነፂሎም ምስ ሩስያ ንክኾኑ ብረፈረንደም ከምዝወሰኑ‘ውን ተገሊፁ‘ዩ።
XS
SM
MD
LG