ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ንሰብ-ኣልቦ-ነፈርቲ ኣብ ዶብ ኣፍጋኒስታን-ፓኪስታን ከምዝተጠቀመት ሚስተር ኦባማ ገሊፆም


President Barack Obama

ንሉኣላዊት ሃገር ካብ ምውራር ዝሓሸ ወትሃደራዊ ስልቲ'ውን'ዩ ኢሎም

ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ቅድሚ ትማሊ ሶኒ ንመላእ ዓለም ብመርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝነበሮም መደብ ዕላል፣ኣሜሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ንሰብ-ኣልቦ-ነፈርቲ (ድሮን) ተጠቂማ ደብዳብ ፈፂማ ድሕሪ ምባሎም፣ ገለ ሕቶታት ኣበጊሱ‘ሎ።መግለፂ ወሃቢ-ቃል ዋይት ሃውስ‘ውን ጥንቁቅ መልሲ ይህቡ።

ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ትማሊ ምሸት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ግጉል ኣብ ዝነበሮም መደብ ዕላል፣ነታ ካብ ኒውዮርክ ካብ ሓደ መንእሰይ ዝተላኣኸት ”ሚስተር ኦባማ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ስልጣኖም ልዕሊ‘ቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ፕረዚደንት ቡሽ ደብዳብ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ፈፂሞም‘ዮም” ዝብል ሕቶ መሊሶም ነይሮም።

እቲ መንእሰይ ኣስዒቡ “እቲ ንኣዝዩ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ዝቀትል ደብዳብ ከመይ ገይሩ‘ዩ ንዩ-ስ ዝረብሕ?” ኢሉ ሓተቶም ንሚ/ር ኦባማ።

ኣብ ዒራቅ ተራ ሰብ-ኣልቦ-ነፈርቲ ድሕሪ ምጥቃሶም፣ብሓፈሽኡ ንኣጠቃቅማ ሰብ-ኣልቦ-ነፈርቲ ኣመልኪቶም ከምዚ በሉ፣

“ሓቂ ንምዝራብ ሰብ-ኣልቦ-ነፈርቲ፣ብዙሕ ሲቪላዊ ጉድኣት ከምዘየውርድ ሰባት ክርዱኡ ይደልይ‘የ።መብዛሕትኡ ጊዜ ኣንፃር ኣል-ቃይዳን ተሓባበርቱ ምልሻታትን ንፁር መጥቃዕቲ ፈፂመን‘የን።ከመይ ክንጥቀመለን ከምዝግባእ ኣዚና ጥንቁቃት‘ውን ኢና” ይብሉ ሚስተር ኦባማ።

እንተኾነ ነዛ ናይ ኒውዮርክ ሕቶ ስዒባ ናብ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ዝቀረበት ሕቶ‘ያ ምሒር ምስሕሓብ ዝፈጠረት።መጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ-ነፈርቲ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ካልኦት ሃገራት ጣልቃ ትኣቱ ከምዘላ ኣይሕብርን‘ዶ ዝብል ሕቶ።ደብዳብ ሰብ-ኣልቦ-ነፈርቲ ንፁር መጥቃዕቲ ብምፍፃም ሓይልታት ዩ-ስ ናብ ግዝኣት‘ተን ሃገራት ንከይኣትው ዝሕግዝ‘ዩ ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም“ብግልፂ ንምዝራብ እቶም መጥቃዕቲ፣ኣብ‘ቲ ፈዴራላዊ ምምሕዳር ዓሌታት‘ዩ ተካይዱ።እዚ ከባቢ‘ዚ፣ኣል-ቃይዳ ኣብ ንክትኣትዎ ኣዝዩ ኣፀጋሚ ዝኾነ ከባቢ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን‘ዩ።ካብ‘ቲ ዝመረፅናዮ ኣገባብ ወፃኢ፣ናብ‘ቲ ከባቢ ንምእታው መጠነ-ሰፊሕ ሰራዊት ምውፋር ክኸውን‘ዩ በሉ።

ኣንፃር ምልሻታት ዓሌታት ፓኪስታን ደብዳብ ሰብ-ኣልቦ-ነፈርቲ ይካየድ ከምዝነበረ ዝገለፀ እዚ ሪኢቶ‘ዚ፣፣ብሰበ-ስልጣን ኣሜሪካ ዝተዋሃበ ፈላማይ መግለፂ‘ዩ።

ፓኪስታን እንተኾነት ዋላ‘ኳ ብደገፍ መራሕቲ ዓሌታታ ዝተፈፀመ እንተኾነ፣ኣብ ልዕሊ ሉኣላዊ ግዝኣታ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ‘ዩ ኢላ ኣውጊዛ‘ያ።ድሕሪ መግለፂ ፕረዚደንት ኦባማ መግለፂ ዝሃበት ፓኪስታን፣ እቲ መጥቃዕቲ ንሕጊ ዝፃረር‘ዩ ኢላቶ‘ላ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኣሜሪካ ንኢትዮዽያ ሓዊሱ ኣብ ውሽጢ ብርክት ዝበላ ሃገራት ሰብ-ኣልቦ-ነፈርቲ ከምዘዋፈረት ክግለፅ ፀኒሑ‘ዩ።ሰበ-ስልጣን ኣሜሪካ ግና ኣሉታ ይህቡ።

ኣብ‘ዚ ቀረባ ግና ነቶም ምስ ኣል-ቃይዳ ምትእስሳር ዘለዎ ጉጅለ ምልሻታት ኣል-ሸባብ ንምስላል፣ኣሜሪካ ንሰብ-ኣልቦ-ነፈርቲ ካብ ኢትዮዽያ ከምተብርር እቲ ዜና ሓቢሩ ነይሩ።ብዘይካ‘ዚ ኣሜሪካ ነፈርቲ ድሮን ኣብ ደሴት ስሺልስን ጂቡቲን‘ውን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG