ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት ኦባማን ርክብ ዝተፈላለዩ ዘርኢታት ኣብ ኣሜሪካን


ርክባት ዘርኢ ንፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ምስ ውልቃዊ መንነቶም ብዓሚቕ ዝተኣሳሰረ እዩ።እቶም ፕሬዝዳንት ኣብ ቅልውላው ፈርግሰን ሚዞሪ ህድኣትን ኣደብን ክሰፍንን ልዕልነት ሕጊ ክኽበርን ምሕፅንታ የስምዑ ኣለው።ኣብ ፈርግስን ዘጋጠመ ፍፃመ ፕሬዝዳንት ኦባማ ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝበልዎ ብዝበልፀ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ መንጎ ፀዓዱን ፀለምትን ኣሎ ኢሎም ዝኣምንዎ ዘርኣውንትን ዘይምትእምማን ንኸብቅዕ ለውጢ ክግበር ብግልፂ ይፅውዑ ኣለው።

ኣብ ፈርግሰን ዝተፈጠረ ህውከት ፕሬዝዳንት ኦባማ ቅድሚ ሎሚ ካብዝበልዎ ብዝበለፀ ኽርር ዝበለ ቋንቋ ክጥቀሙ ገይሩዎም ኣሎ።እቲ ኣሜሪካዊያን ዓው ኢሎም ዘይዛረብሉ ጉዳይ ፀሊም ፕሬዝዳንት ኣብ ዋይት ሃውስ ምእታው ዘርእን ዘርኣውነትን ሕሉፍ ታሪኽ ክኸውን ዝገብር እዩ ኢሎም ብዙሓት ዝተተስፈውሉ ጉዳይ ነይሩ።

ኣብ ፈርግሰን ህውከት ዝተወልዐ ዳረን ዊልሰን ዝተብሃለ ፃዕዳ ፖሊስ ንዘይተዓጠቐ ፀሊም መንእሰይ ማይክል ብራውን ምቕታሉ ኣይኽሰስን ዝብል ውሳነ ምስተወሰነ እዩ።ምርግጋእ ክሰፍን ዝፀውዑ ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣብ ፈርግሰን ዝተፈጥረ ኩነት እታ ሃገር ሰፊሕ ፈተናታት የጋጥምዋ ከምዘለው ዝሕብር እዩ ኢሎም።

‘’እዚ ጉዳይ እዚ ብዛዕባ ጉዳይ ፈርግሰን ጥራሕ ከምዘይኮነ ክንፈልጥ ኣለና’’ ዝበሉ ፕሬዝዳንት ኦባማ ብምቕፅላ ‘’እዚ ናይ ኣሜሪካ ጉዳይ እዩ’’ኢሎም።ኣብቶም ዝሓለፉ ብርክት ዝበሉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ርክባት ዘርኢ ዓበይቲ ምዕባለታት ምምፃእና ናተይ ህይወት ምስክር እዩ፤ነዚ ምዕባለ እዚ ምኽሓድ ማለት ኣሜሪካ ንለውጢ ዘለዋ ተኽእሎ ምኽሓድ ከም ማለት እዩ ኢሎም።ሽግራት ከምዘለው ግን ክንቕበሎ ኣለና እውን ኢሎም።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣብ ርክባት ዘርኢ ብግልፂ ክዛረብሉ ዝገበሮም ቓንዛን ጓሂን በይኑ ጥራሕ ኣይኮነን ይብሉ ተንተንቲ።እንታይ ድኣ ፕሬዝዳን ኦባማ ኣብ ስልጣን ዝፀንሑለን ዝቕፅላ ክለተ ዓመታት ጥራሕ ስለዝኾና እቲ ጉዳይ ናብ ዝለዓለ ደርጃ ክብ ብምባል ክዘራረብሉ ምግባሮም ዝኸስርዎ ስለዘይብሎም እዩ ይብሉ እቶም ተንተንቲ።ዳንኤላ ጊብስ ላዕለወይቲ ኣማኻሪት እቶም ፕሬዝዳንት ዝነበራን ሎሚ CENTER FOR AMERICAN PROGRESS ኣብ ዝተብሃለ ትካል ዝሰርሓን እየን።

ንኻሊእ ዙር ምርጫ ስለዘይወዳደሩ ፖለቲካዊ ሓደጋ ከምዘይብሎም ብሩህ ክኸውን ኣለዎ ኢለን።እንተኾነ ግን ኩልሻዕ ኣብዛ ሃገር ብዛዕባ ዘርኣውነት ክትዛርብ እንተኾይንኻ ሓደጋ ኣለዎ እዩ።ካብ ፖለቲካ ዝዘለለ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ፤ኣዚዩ ምስ ውልቃዊ መንነቶም ዝተኣሳሰረ ብምዃኑ።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ቅድሚ ሎሚ እውን ብልዑል ስምዒት ተዛሪቦም እዮም።ኣብ 2012 ኣ/ፈ ትራይቨን ማርቲን ዝተብሃለ ዘይተዓጥቐ ፀሊም መንእሰይ ኣብ ፍሎሪዳ ምስ ዝተቐተለ እቶም ፕሬዝዳንት ማርቲን ውላዶም እንተዝኸውን እውን ተመሳሳሊ ዕፃ ከጋጥሞ ከምዝኽእል ተዛሪቦም ነይሮም።

ሎሚ ግን ነገራት ንምምሕያሽ ስጉምቲ እንተድኣ ዘይተወሲዱ ተወሳኺ ወጥርን ህውከት ክፈጥር ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም ኣለው፤ፕሬዝዳንት ኦባማ።ዝተረፈ ስራሕ ኣለና፤ክንሓብኦ ምፍታን ግቡእ ኣይኮነን ኢሎም።

ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ ሃውርድ ዩኒቨርስቲ መምህር ፖለቲካ ዝኾኑ ፕሮፈሰር ማይክ ፋውንትረይ ናይ ፕሬዝዳንት ኦባማ ቃል ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነብረ ዝኸረረ ምዃኑ ድሕሪ ምግላፅ እቲ መግለፂ እኹል ሓይሊ እተንሃሊዩዎ ግን ይሓቱ።እቲ ሕብእብእ ካብ እተሰብረ ምስኡ ሓደ ነገር ክገበር ኣለዎ ይብሉ።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ስልጣን ክሕዙ ከለው ብዙሓት ፀለምትን ፀዓዱን ኣሜሪካዊያን ናይ ኣሜሪካ ናይ ዘርኢ ፀገም ብዝዓበይ ክውገድ እዩ ኢሎም እምነት ኣሕዲሮም ነይሮም።ኣብ ፈርግሰን ዝተርኣዩ ፍፃመታት ግን ንኣማእቲ ዓመታት ዝፀንሐ ናይ ዘርኢ ቅርሕንቲ ንፍታሕ ካብ ሓደ ሰብ ወይ ሓደ ፕሬዝዳንት ንላዕሊግዜ ከምዝወስድ ዘርኢ እዩ።

XS
SM
MD
LG