ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ንሶሪያ ንምጥቓዕ ደገፍ ንምርካብ ክደፍእሉ እዮም ተባሂሉ


many Americans seem unconvinced that U.S. airstrikes will do much good.
many Americans seem unconvinced that U.S. airstrikes will do much good.
ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ኣብ ልዕሊ ሶሪያ ክውሰድ ዝኽእል መጥቓዕቲ መራሕቲ ዓለም ንኽድግፉዎም ኣብ ሩሲያ ይካየድ ኣብዘሎ ጉባኤ ጉጅለ-20 ክደፍኡሉ እዮም።

ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ኣብ ኣኼባ መራሕቲ ዓለም ንምርካብ ሎማዕንቲ ሓሙስ ኣብ ሩሲያ ኣትዮም ኣለው።ኣብ ሩሲያ ፒቲስበርግ ኣብ ዝካየድ ጉብኤ ጉጅለ-20 ዝተሳተፉ መራሕቲ ምስኣተው ድሕሪ ሓፂር ጊዜ ጉዳይ ሶሪያ ከም ኣጀንዳ ንኽትሓዝ ውጥን ከምዘለዎም ናይ ሩሲያ ፕሬዝዳንት ቪላድሚር ፑቲን ኣፍሊጦም።

ኣብቲ መኽፈቲ ስነስርዓት ፕሬዝዳንት ፑቲን ገለ መራሕቲ ብዛዕባ ኣዚዮም ኣፅገምቲ ዝኾኑ ዓለምለኸ ጉዳያት ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ሶሪያ ንምዝረራብ ግዜ ንኽትሓዘሎም ከምዝሓተቱዎም ተዛሪቦም።

ቅልውላው ሶሪያ ኣብቲ ንኽልተ ማዕልታት ዝፀንሕ ጉባኤ ከም ወግዓዊ ኣጀንዳ ኣይተትሓዘን።እንተኾነ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማን ካልኦት መራሕትን ኣብ ጎናዊ መድረኽ ይዘራረብሉ ኣለው።

ፕሬዝዳንት ኦባማ መንግስቲ ሶሪያ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዜጋታቱ ኬሚካላዊ መጥቓዕቲ ፈፂሙ ብዝብል ኣንፃሩ ወታደራዊ መጥቓዕቲ ንኽውሰድ ኣብ ውሽጢ ሃገሮምን ኣብ ውፃእን ደገፍ የተኣላልሹ እዮም ዘለው።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ምስ ናይ ጃፓን ቀዳማይ ምንስቴር ኣብ ጉዳይ ሶሪያ ንምዝርራብ የምርሑ ኣብዝነበርሉ እዋን ‘’ኣብ ሶሪያ ኬሚካላዊ ኣፅዋር ኣብ ጥቕሚ ምውዓሉ ዘሕዝን ጥራሕ ከይኮነስ መልሲ ዘድልዮ ምጥሓስ ዓለምለኸ ሕጊ ምዃኑ ሓባራዊ ኣረዳድኣ ምሓዝ ኣገዳሲ እዩ’’ ክብሉ ገሊፆም።

ፍቓድ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ዘይሓዘ ናይ ምዕራባዊያን ምጥቓዕቲ ተቐባልነት ዘይብሉ ወራር እዩ ክብሉ ፕሬዝዳንት ፑቲን ትማሊ ረቡዕ ገሊፆም።።ደማስቆ ኬሚካላዊ ኣፅዋር ምጥቃማ ዘእምን ዝበልዎ መረጋገፂ እንተሃሊዩ ኣብ ልዕሊ ሶሪያ ንዝውሰድ ምጥቓዕቲ ክድግፍ እየ ኢሎም ኣለው።

ትማሊ ረቡዕ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ቁልፊ ናይ ሰኔት ኮሚቴ ውሱን መጥቓዕቲ ንኽውሰድ ዝፅውዕ ትልሚ ኣፅዲቑ’ሎ።
XS
SM
MD
LG