ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት ኦባማ ብሪኢቶ ህዝቢ ዝተሓተ ነጥቢ ረኺቦም


ብመሰረት ሓድሽ ዝተኣከበ ሪኢቶ ህዝቢ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ኣብ ፖሊሲ ወፃኢ፣ቁጠባ፣ፖሊሲ ክንክን ጥዕናን ግብረ-ሽበራን ሓዊሱ ኣብ ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ዝተሓተ ነጥቢ ረኺቦም።እዚ ናይ ኵኒፒያክ ዩኒቨርስቲ ዳሕረዋይ መፅናዕቲ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ምሉእ ሃገር ዝተኻየዱን ምንቁልቋል ዘርኣዩሎምን ተመሳሰልቲ መፅናዕትታት ስዒቡ እዩ ተኻይዱ ዘሎ።

ብኵኒፒያክ ኣብ ዝተኻየደ ዳሕረዋይ መፅናዕቲ ሪኢቶ ህዝቢ ካብቶም ዝተሓተቱ 33 ሚእታዊ ፕሬዝዳንት ኦባማ ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ናብዚ ዝኸፍአ ፕሬዝዳንት ኢሎምዎም ኣለው።ናይ ቀደም ፕሬዝዳንት ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ 28 ሚእታዊ ብምርካብ ካልኣይ ኮይኖም ይኽተሉዎም።

35 ሚእታዊ ግን ሮናልድ ሬገን ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም እቶም ብሉፅ ፕሬዝዳንት ዩናይትድ ስቴትስ ኢልምዎም ኣለው።18 ሚእታዊ ንናይ ቀደም ፕሬዝዳንት ቢል ክልንቴን ብሉፅ ክብሉ ብምምዳብ ፕሬዝዳንት ነበር ጆን ከኔዲ እውን ብ15 ሚእታዊ ተመሪፆም ኣለው።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣብዚ ናይ ኵኒፒያክ ዳሕረዋ መፅናዕቲ ሪኢቶ ህዝቢ ኣብ ብዙሓት ጉዳያት ኣሉታ ረኺቦም ኣለው።40 ምኢታዊ ብኣተሓሕዛ ኢኮኖሚ ክድግፍዎም ከለው፣37 ሚእታዊ ድማ ንኣተኣላሊያ ፖሊስ ወፃኢኦም ደጊፎምዎም ኣለው።

ቲም ማሎይ ናይ ኵኒፒያክ ዩኒቨርስቲ መፅናዕቲ ሪኢቶ ህዝቢ ሓጋዚ ዳይረክተር ኦባማ ኣብ ፖሊሲ ወፃኢ ዓብዪ ምጉዳል ኣሪእዮም ኣለው ምስ በሉ ኣስዒቦም ‘’ብቕዓቶምን ዝሓዝሉ ኣገባብን ብ10 ሚእታዊ ነኪዩ’ሎ።ብርቱዕ ጎኖም ኣብ ፖልሲ ወፃኢ እዩ ነይሩ፤ሎሚ ግን ከምኡ ኣይኮነን’’ኢሎም።
ድኹም ውፅኢት ሪኢቶን ዋላ እንተረኸቡ እውን፣ኣብ ቀረባ ፖለቲካዊ ዕንቅፋታትን እንተጋጠሞም እውን ፕሬዝዳንት ኦባማ ደገፍ ህዝቢ ንምርካብ ወፍሮም ቀፂሎም ኣለው።

ኮንግረስ ኣብዚ ዓመት ኣይክንሪኦን ዋላ እንተበለ እውን ፕሬዝዳንት ኦባማ ኢሚግሬሽን ንምምሕያሽ ፕሬዝዳንታዊ ስልጣኖም ተጠቒሞም ከምዝቕፅልሉ ሓቢሮም ኣለው።

ሪፓብሊካዊ ኣባል ኮንግረስ ኣፈ-ጉባኤ ጆን ቦይነር ፕሬዝዳንት ኦባማ ናይ ፈፃሚ ስራሕ ስልጣኖም ከይጥቀሙ ንምእጋድ ኣብ ፌደራል ኽሲ ክምስርት እየ ክብሉ ኣብ ቀረባ ተዛሪቦም።

ፖሊሲ ወፃኢ ብርቱዕ ጎኒ ፕሬዝዳንት ኦባማ ኮይኑ ነዊሕ ፀኒሑ እዩ።ኣብ ቀረባ ኣብ ዒራቕ ዘጋጠመ ቅልውላው ግን ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ፕሬዝዳንት ኦባማ ናይ ህዝቢ እምነት ክንኪ ገይሩዎ’ሎ ይብሉ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ ነፃ ማእኸል ፖሊሲ ተንታኒ ጆን ፎርቲየር።

ኣብ ዒራቕ ዘሎ ኩነታት ንቶም ፕሬዝዳንት ፅቡቕ ከምዘይኮነን ንዝተፈጠረ ቅልውላው ንሶም እውን ወቐሳ ከምዝብፅሖምን ሓቢሮም ፎርቲየ። ፕሬዝዳንት ኦባማ ፅቡቕ ኣማራፂታት የብሎምን እውን ኢሎም ብምውሳኽ።
ዴሞክራሲያዊያን እቲ ናይቶም ፕሬዝዳንት ትሑት ኣሃዛዊ መዐቀኒ ሪኢቶ ህዝቢ ኣብ ዝቕፅል ሕዳር ኣብዝካየድ ናይ ኮንግረስ ምርጫ ክጎድአና እዩ ክብሉ ስኽፍትኦም የስምዑ ኣለው።

ሪፓብሊካዊያን ኣብ ባይቶ ወከልቲ ሒዞምዎ ዝፀንሑ ዓብላሊ ቁፅሪ መናብር ክቕፅሉ፤ኣብ ሰኔት እውን ካብ ዴሞክራሲያዊያን ወናብር ብምምንጣል ዓብላልነት ናይ ምርካብ ፅቡቕ ዕድል ኣለዎም ይብሉ ተንተንቲ።እዚ ኣብ ናይ መወዳእታ ክልተ ዓመት ስልጣን ፕሬዝዳንትነት ኦባማ ሪፓብሊካዊያን ንኽልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ ክቆፃፀርዎ ዘኽእሎም እዩ።

XS
SM
MD
LG