ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ሓደጋ ኢንተርነት ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ጎሊሑ’ዩ ኢሎም


ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ሓደጋ ኢንተርነት ኣብ ማሕበረሰበብ ዓለም ጎሊሑ ኣሎ ክብል ኣብ ሬድዮ ቢቢሲ ዝመሓላለፍ ምስ ናይ ብሪጣንያ ልዑል ሃሪ ዘኻየድዎ ቃለ መጠይቕ ገሊጾም።

ባራክ ኦባማ ብተወሳኺ ሰባት ምስ ኣተሓሳስቦኦም ጥራይ ብዝሰማማዕ ሓበሬታ ተኸቢቦም ኣብ ዝተፈለየ ዓለም ክነብሩ ይገብሮም ኣሎ ኢሎም።

ዝበዝሓ ጊዜ ኣብ ኢንተርነት(ኦንላይን) ዝነብሩ ሰባት ካብ ገጻት መርበብ ሓበሬታ ወጺኦም ነንሕድሕዶም ክፋለጡ ዕድል ክረኽቡ ኣለዎም ኢሉ።

ባራኽ ኦባም ኣብ ኢንተርነት ዘሎ ተርእዮ ዘይጭበጥን ዘተጋነነን ኹነታት ብምዃኑ ምስ ክውንነት ዝዛመድ’ውን ኣይኾነን’ውን ኢሎም።

XS
SM
MD
LG