ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንጓንታናሞ ቤይ ክዓጽዎ’የ ኢሎም ፕረዚደንት ኦባማ


USA-GUANTANAMO
USA-GUANTANAMO

መዳጎኒ ስፍራ ጓንታናሞ በይ ኩባ ንምዕፃው ብምንስቴር መከላከሊ ኣሜሪካ ንዝቀረበ እማመ ደገፎም ዝገለፁ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ፣ እቲ ካምፕ ‘ንሃገራዊ ፀጥታ ዝሃስይ’ምበር ዝረብሕ ኣይኮነን’ ኢሎም።

ላዕለዋይ መንግስታዊ ባዓል ስልጣን ‘እቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ስፍራ ዝሓዘን፣ ንጂሃዳዊያን ድማ መበራበሪን መመልመሊን ኮይኑ ከምዘሎን ጠቂሶም።

ፕረዚደንት በራክ ኦባማ፣ ቅድሚ 7 ዓመታት ስልጣን ቅድሚ ምርካቦም ማለት'ዩ፣ ንጓንታናሞ ቤይ ክዓፅዎ’የ ኢሎም ቃል ኣትዮም ነይሮም። ኣብ’ቲ መዳጎኒ ስፍራ ኣስታት 91 እሱራት ኣለው።

ብመሰረት ፀብፃባት፣ እቶም 35 ናብ ካልኦት ሃገራት ክላኣኹ፣ እቶም 10 ድማ ኣብ መስርሕ ወትሃደራዊ ኮምሽን ከምዝርከቡ ተፈሊጡ’ሎ። ገለ ወገናት ግና፣ እቶም ናብ ካልኦት ሃገራት ዝላኣኹ እሱራት፣ ንሃገራዊ ድሕነት ሓደጋ ከስዕቡ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ሻቅሎት ኣለዎም።

XS
SM
MD
LG