ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት ኦባማ ምስ መራሕቲ መንግስትን ተቓወምትን በርማ ይዘራረቡ ኣለው


Myanmar opposition leader Aung San Suu Kyi (C) looks on as U.S. President Barack Obama shakes hands after a roundtable with members of parliament and civil society to discuss Myanmar's reform process, in Naypyitaw November 13, 2014. Obama is in Myanmar to
Myanmar opposition leader Aung San Suu Kyi (C) looks on as U.S. President Barack Obama shakes hands after a roundtable with members of parliament and civil society to discuss Myanmar's reform process, in Naypyitaw November 13, 2014. Obama is in Myanmar to

ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ኣብ ካልኣይ ማዕልቲ ናይ በርማ ዑደቶም ምስ መራሕቲ መንግስትን ተቓዋምን ይዘራረቡ ኣለው።ፕሬዝዳንት ኦባማ ሜይንማር ተተኣናግዶ ኣብዘላ ጉባኤ ማሕበር ሃገራት ደቡብ ምብራቕ ኢሲያ ASEAN ንምስታፍ እዮም ተረኺቦም።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ንሚያንማርን መራሒኣ ተይን ሰይንን ነቲ ኣኼባ ምትእንጋዶም ኣመስጊኖም።

ንኣቀባብላን ምትእንጋድ እቲ ጉባኤን ዘመስገኑ ፕሬዝዳንት ኦባማ ‘’ሜይንማር ኣብዚ ዓመት ነዚ ናይ ASEAN ጉባኤ ምትእንጋዳ ዓብዪ ስራሕ ሰሪሓ’ላ።ንምሉእ እቲ ዞባ ኣገደስቲ ኣብዝኾኑ ጉዳያት ብግቡእ ከምእትመርሕ ምዃና ዘርኢ እዩ’’ኢሎም።

ኣብ ኣኼባ ዞባዊ ምትሕብባር ድሕሪ ምክፋሎም ፕሬዝዳንት ኦባማ ናብ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ኣጀንዳ ነይሮም ዝኣተው።እታ ሃገር ካብ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ወታደራዊ መግዛእቲ ምስ ወፀት ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ፖለቲካዊ ለውጢ ወይ ምምሕያ ብቕልጡፍ ክመፅእ ብዙሓት ተስፋ ገይሮም ነይሮም።ፕሬዝዳንት ኦባማ ነዚ ክደፍእሉ እዮም።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ምስ ናይታ ሃገር መፅሄት ኣብዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ኣብ 2012 ኣ/ፈ ኣብታ ሃገር ዑደት ካብዘካይዱ ኣብ ቁጠባ፣ኣብ ምፍታሕ ፖለቲካዊ እሱራትን ምጅማር ምምሕያሽ ሕገ መንግስትን ለውጢ ከምዝርኣዩ ብምግላፅ ኣብ ገሊኦም ግን ንድሕሪት ምምላስ ተራኢዩ ኢሎም።ናይ ቀደም ፖለቲካዊ እሱራት ምንቅስቓሶም ውሱን እዩ።ጋዜጠኛታት ሎሚ እውን ይቕተሉ፣ይእሰሩን ይንከላበቱን፤ኣብ በርማ።

መራሒ ዩናይትድ ስቴትስ ሓደ ኣገዳሲ ጉዳይ ብፍሉይ ከልዕልዎ እዮም።ኩነታት ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ሙስሊም ዓሌት ሮህንጊያ /Rohingya/።እዞም ህዝቢ መብዛሕቲኦም ዜግነት ኣልቦ እዮም።

እዚ ኣብ ፖለቲካ ሜይንማር ተዃሳሒ ጉዳይ እዩ።ፕሬዝዳንት ኦባማ ምስ መንግስትን ተቓዋሚን ኣብዝራኸብሉ እዋን ነዚ ጉዳይ እዚ ከልዕልዎ እዮም።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ፅባሕ ዓርቢ ምስ ፍልጥቲ ተቓዋሚት ኣዉንግ ሳን ሱ ኪ ምስ ተራኸቡ ኣብ ኣኼባ ጉጅለ 20 ንምስታፍ ናብ ብሪስባን ኣውስትራሊያ ከምርሑ እዮም።

XS
SM
MD
LG