ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩናይትድ ስቴትስ ንዓለም ምምርሓ ክትቕፅል እያ ኢሎም ፕሬዝዳንት ኦባማ


ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ መደረ እንተስምዑ
ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ መደረ እንተስምዑ
ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ኣሜሪካ ካብ ዓለም እታ ኣዚያ ኣገዳሲት ሃገር ኮይና ክትቕፅል እያ ኢሎም።ኣብ ዌስት ፖይንት/West Point/ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ወታደራዊ ኣካዳሚ ሎማዕንቲ ረቡዕ ንናይዚ ዓመት ተመረቕቲ ሎምዕንቲ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ግብረ-ሸባራ ቀንዲን ቀጥታውን ስግኣት ፅጥታ ኣሜሪካ ኮይኑ ክቕፅል እዩ ኢሎም።

ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ሽግር ኣብዘጋጥመሉ እዋን ዓለም ንሓገዝ ናብ ኣሜሪካ ከም እተቛምት ምስ ገለፁ ዩናይትድ ስቴትስ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ኣብ ዝቕፅል ክፍለ ዘመን እውን እታ ሓንቲ ኣዝያ ኣገዳሲት ሃገር ኮይና ክትቕፅል እያ ኢሎም።

ብቐንድነት ኣብ ወታደራዊ ፖሊስ ዩናይትድ ስቴትስ ዘተኮረ መደረ ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣሜሪካ ንዓለም ምምርሓ ክትቕፅል እያ ኢሎም። ‘’ኣሜሪካ ኣብ ዓለምለኸ መድረኽ ኩልሻዕ ክትመርሕ ኣለዋ።እንድሕር ዘይመሪሕና ካሊእ ከመርሕ ኣይኽእልን’’ኢሎም።

ወታደራዊ ሓይሊ ንኩሉ ዓይነት ሽግር ክፈትሕ ኣይክእልን ድሕሪ ምባል ሃገራዊ ፀጥታ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ሓደጋ ኣብዝኣትወሉ እዋን ግን ሃገሮም ስጉምቲ ንምውሳድ ናይ ዝኾነ ይኹን ወገን ፍቓድ ኣየድልያን ኢሎም።

እዚ ኮይኑ ግን ኢሎም ዝውሰድ ስጉምቲ ተመጣጣኒ፣ኣድማዕን ፍትሓውን ድዩ ንዝብሉ ከበድቲ ሕቶታት እውን ክምልስ ኣለዎ ኢሎም።
ብቐጥታ ንናይ ዩናትድ ስቴትስ ረብሓታት ዘየስግእ ዓለምለኸ ስግኣታት ኣብ ዘጋጥምሉ እዋን ዩናይትድ ስቴትስ በይና ከይኮነትስ ምስ መሻርኽትናን መሓዙትናን ብሓባር ክንምክቶ ግቡእ እዩ ኢሎም።

ቀጥታዊ ስግኣት ዩናይትድ ስቴትስ ግብረ ሽበራ ኮይኑ ክቕፅል እዩ እውን ኢሎም።
ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወፃኢ እቲ ዝዓበየ ቀፃሊ ስግኣት ኣሜሪካ ግብረ-ሽበራ ኮይኑ ክቕፅል እዩ ምስ በሉ ግብረ ሽበራ ንዘዕቑባ ሃገራት ናይ ምውራር ስትራተጂ እውን ዘይበሰለን ዘለቕነት ዘይብሉን እዩ ኢሎምዎ።ናይ ፀረ ግብረሽበራ ስትራተጂ ብምልዋጥ መርበብ ሽበራ ምስ ዝተኣታተወለን ሃገራት ተሓባቢርካ ክስራሕ ኣለዎ ኢሎም።

ንሓድሽ ምሕዝነት ፀረ ግብረ-ሽበራ ትልሚ ኣብ ግንባር ተሰሊፈን ንዘለዋ ሃገራት መሻርኽትና ንምስልጣን ዓቕሞም ንምዕባይን ክሳብ ሓሙሽተ ቢሊዮን ዝበፅሕ ዶላር ከምዘድሊ ብምሕባር ኮንግረስ ነዚ ንድግፍ።

ኣብ ኮንጎን ሱዳንን ዝተርኣየ ጃምላዊ መቕተልቲ ንምክልኻል ንናይ ሕቡራት መንግስታት ዓቀብቲ ሰላም ወታደራት ንዝልእኻ ሃገራት ዘድልየን ስልጠናን ናውትን ክረኽባ ምርግጋፅ ኣድላዩ እዩ ኢሎም ፕሬዝዳንት ኦባማ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣፍሪካ ዑደት ኣብዝገበርሉ እዋን ናይ ሃገሮም ሓገዝ ኣብ ኣፍሪካ ካብ ኤዲስ ነፃ ወለዶ ንምፍጣር ዘሎ ተስፋ ንክዓቢ፣ሓረስቶት ምህርቶም ናብ ዕድጋ ከቕርቡን ሓደጋ ዓፀቦ የንፀላልየን ዝነበራ ሃገራት ህዝበን ንኽምግባ ይሕግዝ ኣሎ ኢሎም።ኣብ ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪካ ተበፃሕነት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብዕፅፊ ንምዕባይ ዓሊምና ኣለና እውን ኢሎም ኣለው ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣብ መደርኦም።
XS
SM
MD
LG