ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ማኸላይ ምብራቅን ሰሜን አፍሪቃን ንዝካየድ ዘሎ "ኣዝዩ ፍሉይ ለውጢ" ክብሉ ዝፀውዕዎ ብሓጎስ ተቀቢሎሞ


ፐረዚደን ኦባማ ቅድሚ ሒደት ደቃይቅ ኣብ ቤት-ዕዮ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ንእስላማዊ ዓለም ብቀጥታ ኣብ ዝገበርዎ መደረ ፡ኣሜሪካ ነቲ ኣብ ማእኸላይ ምብራቅን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝርአ ዘሎ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ብሓጎስ ከምትቅበሎ ከምትድግፎን ተዛሪቦም።

እንተኾነ ብዙሓት ሃገራት ነቲ ዝካየድ ዘሎ መፀዋዕታ ንለውጢ ብህውከት ይምልሻሉ'ለዋ ኢሎም።

ነዚ ኣዝያ ምሳሌ ትኸውን ሊብያ'ያ ዝበሉ ፕረዚደንት ኦባማ መራሒ ሊብያ መዓመር ጋዳፊ ኣንፃር ህዝቦም ኹናት ኸፊቶም'ለዉ ኢሎም።

ፕረዚደንት ኦባማ ኣሜሪካን መሻርኽታን ስጉምቲ እንተዘይወስዳ ኣሽሓት ሰባት ምሞቱ ኔሮም ኢሎም።

እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ብዝምልከት ኸአ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ኣዝዩ ዘሕፅፅ ጉዳይ'ዩ ዝበሉ ፕረዚደንት ኦባማ ምስ ናይ እስራኤል ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ዓርቢ ከምዝራኸቡ ተዛሪቦም።

ኣብዚኣ'ሞ

ዚምባብወ ድሕሪ ሙጋበ ሕጂውን በቲ ገዛኢ ሰልፊ ምሕደርኣ ክቕጽል'ዩ። እዚ ኣብ'ታ ሃገር ዝተራእየ ለውጢ እምበኣር

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG