ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት ኦባማ ንስግኣት ISILንምውጋድ ዝተሓንፀፀ መደብ ዕላዊ ክገብሩ እዮም


ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ብናዕበኛታት እስማላዊ መንግስቲ ዝተደቀነ ስግኣት ንምውጋድ ኣብ ቐረባ መደብ ከምዝሕንፅፁ ኣፍሊጦም። NBC ምስ ዝተብሃለት ሓንቲ ቴሌቪዥን ኣብዘካየድዎ ቃል ምልልስ ነቲ ኣኽራሪ ጉጅለ ንምጥቓዕ ንምንያታይ ከምዘድሊ ንዝህቢ ኣሜሪካ ብቐጥታ መደረ ከስምዕ እየ ኢሎም።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተፈነወ ናይ NBC ቃለ ምልልስ ዩናይትድ ስቴትስ በይና ስጉምቲ ኣክትወስድን እያ ኢሎም።ኣካል ዓለምለኸ ጥምረት ብምዃን ደብዳብ ነፈርቲ ብፍፃም ኣንፃር ዕጡቓት እስላማዊ መንግስቲ ይዋግኡ ንዘለው ወታደራት ዒራቕን ኩርድን ሓገዝ ክትህብ እያ ኢሎም።ብምስዓብ ‘’ንገስጋስ ISIL ምዕጋት ጥራሕ ከይኮነስ ንተኽእልኦም እውን ክነትሕቶ፤ዝቆፃፀርዎ መሬት ክንሽምርሮ ኢና፤ኣብ መወዳእታ ድማ ክንድምስሶም ኢና’’ኢሎም።

ፅባሕ ሰሉስ ምስ መራሕቲ ኮንግረስ ክራኸቡ እዮም።ድሕሪ ፃብሕ ረቡዕ ድማ ንስግኣት ISILን ከመይ ከምዝሕዝዎን ንዝህቢ ዩናይትድ ስቴትስ ብቕጥታ ከምዝገልፅሎም ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣብሪሆም።

ISIL ተወሳኺ መሬት ንኽቆፃፅር እንተድኣ ተፈቒድሉ ብዙሕ ፀጋ ብርካብ ተወሰኽቲ ወፃእተኛታት ተዋጋእቲ ብምምልማል እቲ ኣኽራሪ ጉጅለ ኣብ ነዊሕ ግዜ ከብዲ ስግኣት ክኸውንን እዩ ኢሎም ኦባማ።

ኣብቲ ቃለ ምልልስ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪካ ንዝተኸሰተ ለበዳ ኢቦላ ብዛዕባ እትህቦ ሓገዝ እውን መብርሂ ሂቦም።ምስፍሕፋሕ ኢቦላ ንምምካት ወታደራዊ ሓይሊ ዩናይትድ ስቴትስ ክሕግዙ እዮም ኢሎም።ዘግልል ኣሃዱን ኣቑሕትን ከምኡ እውን ንደሕንነት ሰራሕተኛታት ፀጥታ ሓለዋ ምሃብን ወታደራዊ ሓይሊ ዩናይትድ ስቴትስ ዝህቦ ሓገዝ ከምኣብነት ጠቒሶም።

XS
SM
MD
LG