ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጋዜጣዊ መግለፂ ፕሬዝዳንት ኦባማን ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያምን


ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ንፕሬዝዳንት ኦባማ እንትቕበሉዎም
ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ንፕሬዝዳንት ኦባማ እንትቕበሉዎም
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:03 0:00


ታሪኻዊ ዑደት ፕሬዝዳንት ዩናይትድ ስቴትስ ባራክ ኦባማ ንርክብ ክልቲአን ሃገራት ዘጉልሀ እዩ ተባሂሉ’ሎ።ኢትዮጵያ ኣብ ፀጥታን ኣንፃር ግብረሽበራን ኣገዳሲት መሻርኽቲ እያ ኢሎምዋ ኣለው ፕሬዝዳንት ኦባማ።ክልቲኦም መራሕቲ ዑደት ፕሬዝዳንት ኦባማ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝለዓለ ብርኪ ምብፅሑ ዝሕብር እዩ ኢሎም ኣለው ሎማዕንቲ ሰኒ ኣብዝሃብዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለፂ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዝፈፀመ ፈላማይ ፕሬዝዳንት ዩናይትድ ስቴትስ ምዃነይ ኩርዓት ተሰሚዑኒ ዝበሉ ፕሬዝዳንት ኦባማ ዩናይትድ ስቴትስን ኢትዮጵያን ነዊሕ ዝዘለቐ ምሕዝነት ከምዘለወን ብምሓብር ኣብ ጥንካረ ዩናይትድ ስቴትስ ኣስተዋፅኦ ኢትዮጵያዊያን ኣሜሪካዊያን ዓብዪ እዩ ኢሎም።

‘’ህዝብና ሓቢሮም ሰሪሖም እዮም’’ዝበሉ ኦባማ ብምስዓብ ‘’ኣብ ንግዲ ነንሕድሕዶም ተራኺቦም፤ንልዕሊ ሓደ ምእቲ ዓመት እቲ ሓደ ኣብ ጎኒ እቲ ካሊእ ጠጠው ኢሎም እዮም’’ኢሎም።ዩናይትድ ስቴትስ ኢትዮጵያዊያን ኣሜሪካዊያን ብፍላይ ድማ ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ብበዝሒ ኣብ ዝነብሩላ ኣብዋና ከተማና ዋሽንግተን ዲሲ በብዕለቱ ብዘበርክቱዎ ኣስተዋፅኦ ዩናይትድ ስቴትስ ትርባሕ ኣላ ኢሎም።

ንናይ ኢትዮጵያ ቁጠባዊ ገስጋስ ንምሕጋዝ ሓቢርና ምስራሕ ክንቕፅለሉ ኢና ዝበሉ ፕሬዝዳንት ኦባማ ኢትዮጵያ ካብ ዓለም ስሉጥ ቁጠባዊ ዕብየት የመዝግባ ካብ ዝለዋ ሃገራት ሓንቲ እያ እውን ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣንፃር ሽበራ ብርትዕቲ መሻርኽቲ እያ ክብሉ ብምፅዋዕ ምሽምራር ኣል-ሸባብ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ውፅኢት ሽርክና ዩናይትድ ስቴትስን ዞባዊ ሓይልታትን እዩ ኢሎም።

ዩናይትድ ስቴትስ ኣንፃር ኣል-ሸባብ ንምውጋእ ናብ ሱማሊያ ሓይልታታ ትልእኽ እንተኾይና ተሓቲቶም ኦባማ ኢትዮጵያዊያን ወታደራት ብርቱዓት ተዋጋእቲ ስለዝኾኑ ምልኣኽ ኣየድለየናን ኢሎም።

ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ብወገኖም ናይ ፕሬዝዳንት ኦባማ ዑደት ኢትዮጵያ ሰናይ ምሕደራ ንምምሕያሽ ኣብእትፍትነሉን ኣንፃር ዘይምርግጋእ፣ ግጭትን ሽበራን ኣብ እትገጥመሉን እዋን ስለዝኾነ ፅቡቕ ኣጋጣሚ እዩ ኢሎም።

‘’ከም መጠን ብዲፕሎማሲ፣ብቁጠባ ልዕሊ ኩሉ ድማ ንናይ ኢትዮጵያ ኣፍሪካን ልምዓት ቀፃልነት ኣገደስቲ ዝኾኑ ሳይንስ፣ቴክኖሎጂን ትምህርትን መራሒ ሓያል ዓለምና ብምዃኖም ዑደቶም ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ’’ኢሎም።ዝርዝሩ ይስምዑ።

XS
SM
MD
LG