ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦባማን ሃይለማርያምን ተዘራሪቦም


ቀ/ሚ ሃይለማርያምን ፕረዚደንት ኦባማን
ቀ/ሚ ሃይለማርያምን ፕረዚደንት ኦባማን

ኢትዮዽያ ብመዳይ ቁጠባዊ ዕብየት ሓንቲ ካብ‘ተን ብሩህ ተስፋ ዘለወን ሃገራት ኮይና‘ላ ኢሎም ንኢዶም ፕረዚደንት በራክ ኦባማ።

ሚስተር ኦባማ ሎሚ ምስ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን፣ ኢትዮዽያ ኣካል ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኮይና፣ንተፃባእቲ ወገናት ደቡብ ሱዳን ንምርኻብ ኣበርቲዓ ትሰርሕ ከምዘላ፣ቀ/ሚ ሃይለማርያም ንዝገብርዎ ሰናይ ተግባር ከመስግን ይፈቱ ኢሎም።ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ስጡም ርክብ ከምዝህሉ‘ውን ጠቂሶም።

ኣብ ሓደ እዋን ተመፅዋቲት ዝነበረት ኢትዮዽያ ሎሚ ስሉጥ ምዕባለ ተመዝግብ፣ርእሳ ኪኢላ ሕርሻዊ ፍርያት ጥራሕ ዘይኮነ ሓይሊ ንወፃኢ ትሸጥ፣ካብኡ ሓሊፋ ምስ ኣሜሪካ ንግዳዊ መሻርኽቲ ኮይና‘ላ ኢሎም።

ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብወገኖም፣ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ሞንጎ ፅዑቅ መደቦም ንልኡኻት ኢትዮዽያ ተቀቢሎም ከዘራርቡ ስለዝወሰኑ ድሕሪ ምምስጋን፣ኣብ ሞንጎ ኢትዮዽያን ኣሜሪካ ንዝተፈጥረ ርክብ ክብ ኣቢሎም ከምዝሪኡ፣ ኢትዮዽያ ተመዝግቦ ንዘላ ቁጠባዊ ምዕባለ ደገፍ ኣሜሪካ ልዑል‘ዩ ኮይኑ‘ሎ፣ኪኢላ ሓይሊ ሰብ ኣብ ዘፈራት ጥዕናን ሕርሻን ኣብ ምፍራይ ርኡይ ሓገዝ ኣሜሪካ ረኺብና ኢና ስለዚ ከመስግን ይፈቱ ኢሎም።

ልዝብ ኦባማን ሃይለማርያምን
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:42 0:00
መራገፊ

XS
SM
MD
LG