ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ- ኣብ ዋዕላ ማሕበር 20 (G20)


ኣብ ግሪኽ ዘሎ ፖሎቲካዊ ሓጎፅ ጎጽ ብዘየገድስ ኤውሮጳ ንጸገም ዕዳ ምፍታሕ መስመሩ ሒዙ ንኽከይድ ኣብ ዘኽእል ውጥን ተሰማሚዓ ክብሉ ሰበ-ስልጣን ዋይት ሃውስ አፍሊጦም።

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ነቲ ቅልውላው ገንዘብ ኤውሮጳ ምፍታሕ ኣብ ዝከአለሉ መንገዲ ንምዝርራብ ምስ መራሕቲ ኤውሮጳ ተራኺቦም'ለው።

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣብታ እቲ ዋዕላ ዝካየደላ ናይ ፈረንሳ ኸተማ እትው ምስ በሉ'ዮም ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ምዝርራብ ዝጀመሩ። ምስ ናይ ፈረንሳ ፕረዚደንት ኒኮላስ ሳርኮዚን ናይ ጀርመን ቻንስለር አንገላ መርከልን ቅልውላው ዕዳ ግሪኽ ናብ ምልእቲ'ታ አህጉር ኸይጋፋሕ ንምግታእ ብዛዕባ ዝከአለሉ መንገድታት ተዘራሪቦም።

ንምስምዑ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG