ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት ኦባማ ናይ ኣውሮፓ ዑደቶም ጀሚሮም


President Barack Obama boards Air Force One before his departure from Andrews Air Force Base, Sunday, March 23, 2014.
President Barack Obama boards Air Force One before his departure from Andrews Air Force Base, Sunday, March 23, 2014.
ፕሬዝዳንት ባራክ ኦማባ ኣብ ናይ ኣውሮፓ መገሽኦም ኔዘርላንድ ኣትዮም።ዕላማ ዑደቶም ሩሲያ ንናይ ዩክሬይን ግዝኣት ክሪሚያ ኣካል ሩሲያ ንኽትኸውን ብምግባራ ንሩሲያ ንምግላል ዝዓለመ እዩ።
ፕሬዝዳንት ኦባማ ናብ ኔዘርላንድ ዝመፅእሉ ወግዓዊ ምኽንያት ኣብ ጉባኤ ደሕንነት ኒኩሌር ንምስታፍ እንተኾነ እውን ሩሲያ ንክሪሚያ ምሕዋሳ ቀንዲ ጠመተ ኮይኑ’ሎ።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣብ ጎኒ ቀዳማይ ምንስቴር ኔዘርላንድ ማርክ ሩተ ኮይኖም ኣብዝሃብዎ ቃል ዩክሬይን ቀንዲ መዘራረቢ ዛዕባ ክትኸውን እያ ኢሎም።

‘’ኣውሮፓን ኣሜሪካን ንመንግስትን ህዝብን ዩክሬይን ኣብ ምድጋፍ ሓቢሮም እዮም’’ ምስ በሉ ሩሲያ ዛጊድ ብዝፈፀመቶም ኣብ ልዕሊኣ ማዕቐብ ኣብ ምንባር እውን ሕብረት ፈጢርና ኢና ኢሎም።
ወታደራት ሩሲያ ኣብ ዶባ ዩክሬይን ተመም እናበሉ ስግኣት ኣብ ዝዓበየሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተወሳኺ ማዕቐባት ንምንባርን ንመንግስቲ ዩክሬይን ድማ ቁጠባዊ ሓገዝ ንምሃብን ደገፍ ንምትእኽኻብ ዓሊሞም ኣለው ፕሬዝዳንት ኦባማ።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ንዝፈፀመቶም ተግባራት ዝተዋደደ ግብረ-መልሲ ንምሃብ ህፁፅ ጉባኤ መራሕቲ ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ/G-7/ ሎማዕንቲ ሰኒ ፀዊዖም ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሓይልታት ሩሲያ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ማዕልታት ንሰለስተ ዝተፈላለዩ ወታደራዊ ማእኸላት ዩክሬይን ድሕሪ ምቁፅፃሮም ወታደራቱ ካብ ክሪሚያ ንኸወፁ ግዚያዊ መንግስቲ ዩክሬይን ኣዚዙ።
XS
SM
MD
LG