ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ኦባማ ንቁፅፅር ሕማም ኢቦላ ብንጥፈት ይከታተሉ


Barack Obama
Barack Obama

ፕረዚደንት በራክ ኦባማ፣ለበዳ ሕማም ኢቦላ ብደረጃ ሃገርን ዓለምን ንምቁፅፃር ዝካኣለሉ ኣገባብ ምስ መራሕቲ ሃገራትን ሰበ-ስልጣን ጥዕና ኣሜሪካን ሃገራዊ ኣማኸርቶምን ተዘራሪቦም።

ምስ ዋና ፀሓፊ ሕ/ሃ ባንኪ ሙን ብቴሌፎን ዝተዘራረቡ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ፣ለበዳ ሕማም ኢቦላ ካብ ምንጩ ንምንቃፅ መእንታን ንሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ቅፅበታዊን ዝተዓፃፀፈን ሓገዝ ንክግበረለን ተሰማሚዖም።

ሰበ-ስልጣን ጥዕና ኣሜሪካ ብግዲኦም፣ድሕሪ ኣብ ቴክሳስ ኣሜሪካ ዝተራእየ ሞት ሓደ ሰብ ብኢቦላ፣ ኣገባብ ቁፅፅር ለበዳ ኢቦላ ዳግም ይግምግሙ‘ለው።

ሚስተር ኦባማ ምስ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ ድማ፣ነቲ ሕማም ንምግታእ ዘሐግዙ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ትካላት ምርመራ ክኽፈት ከምኡውን ንገየሽቲ ምፅራይ ዝግበረሉ ኣሰራርሓ ኣልዒሎም ነይሮም።

ብዘይካ‘ዚ፣እቶም ፕረዚደንት ኣብ ዳለስ ቴክሳስ ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ሓንቲ ነርስ ሕማም ኢቦላ ዝተገብረላ መልሰ ግብሪን ጉድለት ቁፅፅር‘ቲ ለበዳን መብርሂ ረኺቦም።

XS
SM
MD
LG