ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዝደንት ኦባማን በዓልቲ ቤቶምን ኣብ ወፍሪ ጎስጓስ ሂላሪ ክሊንተን ፅዑቕ ወፍሪ የካይዱ


ፕረዝደንት ኦባማን በዓልቲ ቤቶም ሚሸል ኦባማን ኣብ ወፍሪ ጎስጓስ ሂላሪ ክሊንተን ፅዑቕ ወፍሪ የካይዱ ኣለው።

ቀዳመይቲ እመቤት ሚሸል ኦባማ ሪፖብሊካዊ ሕጹይ ተወዳዳሪ ዶናልድ ትራምፕ እቲ ምርጫ ተሰሪቑ ምባሎም መረፅቲ ድምፆም ከይህቡ ተስፋ ንክቑርፁ እዩ ድሕሪ ምባለን ድምፂ ዘይምሃብ ማለት ዝበለፀ ተሞክሮ ዘለወን ሂላሪ ክሊንተን ንዝህልወን ናይ ምዕዋት ዕድለን ዝኽልኽል እዩ ክብላ’ውን ኣጠንቂቐን ኣለዋ።

“ፕረዝደንት ንምዃን ኣብ መዋእልና ካብ ዝነበሩ ፕረዝደንታት ዝበለፀ ተመኩሮ ኣለወን።እወ፡ ካብ ፕረዝደንታት ኦባማን ቢል ክሊንተን ዝበለፀ ተመክሮ ኣለወን።ስለዝኾነ ድማ ካብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ጀሚረን ዋና ኣዛዚት ሰራዊት ኮይነን ክመራሓ ድልውቲ እየን።እወ፡ ጓል ኣንስተይቲ እውን እየን” ይብላ ቀዳመይቲ እመቤት ሚሸል ኦማባ።

ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ክካየድ 11 መዓልታት ጥራሕ ተሪፍዎ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።


XS
SM
MD
LG