ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ኣንፃር ኤዲስ ኣብካየድ ግጥም ሓድሽ ሸቶ ኣቐሚጦም።እቶም ፕሬዝዳንት ኣብ ኣሜሪካን ኣብ ሙሉእ ዓለምን ንዝርከቡ ተወሳኺ ሰባት ፀረ-ኤዲስ መድሓኒት ከምዘቕርቡ ቃል ኣትዮም።
ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ማዕልቲ ኤዲስ ምኽንያት ብምግባር ኣብዝተዳለወ መድረኽ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ዓለም ንኤዲስ ክስዕሮ ይኽእል እዩ ኢሎም።
ዩናይትድ ስቴትስ ክሳብ መደወዳእታ 2013 ኣ/ፈ ኣብተን በቲ ለበዳ HIV ኣዐሪየን ዝተጠቕዓ ሃገራት ንዝርከቡ ንሽዱሽተ ሚሊዮን ሰባት ፀረ-ኤዲስ መድሓኒት ከምእተቕርብ እቶም ፕሬዝዳንት ቃል ኣትዮም።
ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ እውን ንናይ HIV ክንክን ዝውዕል ተወሳኺ 50 ሚሊዮን ዶላር ንምምዳብ ከምዝተወጠነ ኣፍሊጦም።
ቁፅሪ HIV ዝተሓዙ ሓደሽቲ ሰባት ኣብ ዓለም ይንኪ’ዃ እንተሃለወ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ግን ከምቲ ዝነበሮ ይቕፅል ስለዘሎ ተወሳኺ ስራሕ ከምዝድሊ ሓቢሮም።
ንዓለማዊ ፈንድ ሓገዝ ንኽህባ ቃል ዝኣተዋ ሃገራት መፅብዕአን ንኸማልኣ እቶም ፕሬዝዳንት ፀዊዖም።ቅድሚ ሕዚ ንምሕጋዝ ቃል ንዘይኣተዋ ሃገራት ሓገዝ ንኽገብራን ብፍላይ ድማ ቻይና ሓገዝ ንኽትህብን ፀዊዖም ኣለው።
ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ዝነበሩ ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ’ውን HIV ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ናይ ማህፀን ካንሰር ንምምካት ተበግሶ ንምውሳድ ዑደት ይፍፅሙላ ካብዘለው ካብ ታንዛንያ ብናይ ቪዲዮ ርክብ ኣቢሎም ኣብቲ ስነስርዓት ተኻፊሎም።
ሚስተር ቡሽ ኣብ እዋን ፕሬዝዳንትነቶም ዩናይትድ ስቴትስ ኣንፃር HIV/AIDS ንምግጣም ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት 15 ቢሊዮን ዶላር እትሕግዘሉ ፔፕፋር ዝተብሃለ ፕሮግራም ዝተግበሩ እዮም።
እቶም ናይ ቀደም ፕሬዝዳንት ሃብታም ሃገራት ዋላ’ውን ቁጠባዊ ፀገማት እንተሃለወን እውን ንኤድሲ ንምግጣም ተወሳኺ ሓገዝ ንኸወፍያ ፀዊዕም።
ፔፕፋር ፀረ-ኤዲስ መድሓኒታት ብስፊሑ ብምቕራብ ህይወት ሚሊዮናት ሰባት ብምድሓን ይንኣድ።