ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕራዚደንት በራክ ኦባማ ኣብ ኣፍጋኒስታን ሃንደበታዊ መገሻ ፍፂሞም


ስትራተጂካዊ ውዕል ክልቲኤን ሃገራት ተኸቲሙ

መራሕቲ ኣሜሪካን ኣፍጋኒስታን፣ድሕሪ ምብቃዕ ኲናት ኣፍጋኒስታን ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ንዝህሉ ርክብ ዝገልፅ ውዕል ፈሪሞም።

ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ነቲ ውዕል ንምፍራም ትማሊ ምሸት ንፀልማት ከውሊ ገይሮም‘ዮም ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣትዮም።

እቶም ፕረዚደንት፣ሓይልታት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝጀመሮ ኲናት ድሕሪ ምብቅዑ፣ንትሕዝቶ ዝቅፅሉ ዓሰርተ ዓመታት ዝህሉ ስትራተጂካዊ ርክብ ንዝነፀረ ሰነደ ፈሪሞም‘ዮም።

”ሓቢርና ኲናት ብሰላም ንምቅያር ቃል ኣቲና‘ለና።ኣብ ማዕርነት ዝቆመ ሽርክነት ናብ ሓድሽ ተስፋ ኣሳጊሩና‘ሎ” ኢሎም ፕረዚደንት ኦባማ።

ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ባግራም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ንወትሃደራት ኣሜሪካ ዘመስገኑ ሚስተር ኦባማ፣ንትሕዝቶ ውዕል ምስ ኣፍጋኒስታን ንህዝቦም ገሊፆም‘ዮም።

“ኣብ ሞንጎ ዩ-ስን ኣፍጋኒስታንን ንዝህሉ ሓድሽ ስትራቲጂካዊ ምሕዝነት ንዝንፅር ታሪኻዊ ሰነድ ሎሚ ፈሪመሉ‘ለኹ” እውን ኢሎም።

ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ዘረበኦም፣ኔቶ ኣብ‘ዚ ወርሒ’ዚ ኣብ ቺካጎ-ኣሜሪካ ኣብ ዘሳልጦ ኣኼብኡ፣ሓይልታቱ ኣብ ኣፍጋኒስታን ንዝህልዎ ተዋጋኣይ ተራ ክንፅር‘ዩ ኢሎም።

ዓለም-ለኸ ሓይልታት ንሰራዊት ኣፍጋኒስታን ክዕልሙ፣ከማኽሩን ከሐግዙን‘ዮም ዝበሉ እቶም ፕረዚደንት፣ኣፍጋኒስታውያን ጉዳዮም ባዕልቶም ኣብ ዝውግንሉ መዋእል፣ናይ ኣሜሪካ ተራ ብደረጃ ድጋፍ ጥራሕ ዝሕፀር‘ዩ ኢሎም።

ኣሜሪካ ናብ ኣፍጋኒስታን ዝኣተወትሉ ቀንዲ ዕላማ፣ኣል-ቃይዳ ግብረ-ሸበራዊ መጥቃዕቲ ንከይፍፅም ምግባር ዝብል‘ዩ ነይሩ፣እዚ ዕላማ‘ዚ ተዓዊቱ እዩ ኢሎም ንኣሜሪካውያን ኣዘኻኺሮም።

እቲ ኲናት ኣብ ኣፍጋኒስታን‘ዩ ተኣዊጁ፣ዝዛመም‘ውን ኣብ ኣፍጋኒስታን‘ዩ ኢሎም ፕረዚደንት ኦባማ።

XS
SM
MD
LG