ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦባማን ራምንን ተኻቲዖም


ራምንን ኦባማን
ራምንን ኦባማን
ፕረዚደንት በራክ ኦባማን መናሕንቶም ኣማሓዳሪ ክፍለ-ግዝኣት ማሳቹሴትስ ዝነበሩ ሚት ራምንይ፣ትማሊ ምሸት ኣብ ፈላማይ ፕረዚደንታዊ ክትዕ ተፀሚዶም ኣምስዮም።

እቶም ፕረዚደንትን ኣማሓዳሪ ነበርን፣ነቲ ዛሕቲሉ ዘሎ ቁጠባ ኣሜሪካ ብከመይ ነበራብሮ ኣብ ዝብል ኣጀንዳ ንተስዓ ደቃይቅ ተካቲዖም‘ዮም።

ሚስተር ራምንይ ንፕረዚደንት ኦባማ ብዝትግብርዎ ዝፀንሐ ፖሊሲ ኣትሪሮም ነቂፎምዎም።ብዛዕባ ምንካይ ግብሪ‘ውን በሊሕ ኣፈላላይ ነይርዎም ክልቲኦም ተካታዕቲ።

ሚስተር ራምኒ”ብዛዕባ ዘቅረብክዎ ውጥን ግብሪ፣ፕረዚደንት ዝሃብዎ ሪኢቶ ቃል ብቃል፣ ሓቂ ኣይኮነን።እቲ ንሶም ዝገለፅዎ ውጥን ግብሪ እንተዝኸውንን ትድግፎ ዲኻ ተባሂለ ተዝሕተትን ነይረ ኣይፋለይን ምበልኩ ነይረ።ሓሙሽተ ትሪልዮን ዶላር ናይ ግብሪ ምንካይ ክገብር‘የ ኣይበልኩን“ ኢሎም።

ሚስተር ኦባማ ብወገኖም፣መናሕንሕተይ ዝሓስብዎ ዘሎ ምንካይ ግብሪ ዘይሰርሕ‘ዩ ይብሉ።ወሶኾ ”እቲ ሓቂ፣ከም‘ቲ ንሶም ዝብልዎ ዘለው፣መጠን ግብሪ ክንኪ እንተኾይኑ፣ ኣማሓዳሪ፣ኣብ መወዳእትኡ ክንረኽቦ ኢና ዝበልዎ ድምር ውህሉል ገንዘብ ኣይርከብን‘ዩ።ኣብ ክንድኡ ዲታታት ዝያዳ ተረባሕቲ ዝገብር፣ንማእከላይ እቶት ዘለዎም ተወሳኺ ፆር ዘስክምን‘ዩ ዝኸውን” ኢሎም።

ክልቲኦም ፕረዚደንታዊ ተወዳደርቲ፣ኣብ ልዕሊ‘ቲ ”ኦባማኬር” ተባሂሉ ዝፅዋዕ ሕጊ ክንክን ጥዕና፣ንቁጠባ ኣሜሪካ ሓጋዛይ ድዩ? ሃሳያይ ኣብ ዝብል‘ውን ኣትሪሮም ተካቲዖም‘ዮም።

ኣብ ልዕሊ‘ቲ ፕረዚደንታዊ ክትዕ ሪኢቶኦም ዝሃቡ፣ኣብ ዩኒቨርስቲ ካሊፎርንያ ክፍሊ ትምህርቲ ህዝባዊ ጉዳያት ዘምህሩ ፍራንክ ጊልያም፣ ኣማሓዳሪ ሚት ራምንይ ዝሓሸ ተሳትፎ ገይሮም፣ግን ኣብ ህዝባዊ ድጋፍ መኽሰብ ኣየርክበሎምን ዝብል ገምጋም ኣለዎም።
XS
SM
MD
LG