ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦ ጀይ ሲምሶን ዓሪፉ


ኦ.ጀይ. ሲምሶን- ፋይል
ኦ.ጀይ. ሲምሶን- ፋይል

ናይ ቅድም ተጻዋታይ "ኣመሪካን ፉትቦል"፡ ድሒሩ ድማ ኣብ 1995 ዝነበረ ዝዓበየ ፍርዳዊ መስርሕ ካብ ክሲ ቅትለት ናጻ ዝተባህለ ኦ.ጀይ. ሲምሶን ኣብ መበል 76 ዓመቱ ብሕማም መንሽሮ ምዕራፉ ንስድራቤቱ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

ኣብ 1995 ንበዓልቲ ቤቱ ነበር ኒኮል ብራውን ቀቲሉ ብዝብል ንዝቐርበሉ ክሲ፡ “መስርሕ ፍርዲ ናይቲ ዘመን” ተባሂሉ ዝጽዋዕ መጋብኣያ ኣብ መወዳእታ ናጻ ድሕሪ ምባሉ፡ ኣብ ኣመሪካን ብዙሓት ሃገራት ኣዘራረቢ ኣርእስቲ ምንባሩ ይዝከር።

ሲምሶን ኣብ ናይ 1995 ክሲ በዓልቲ ቤቱ ነበር ናጻ ደኣ ይውጻእ እምበር፡ ኣብ 2007 ግን ብስርቂን ካልእ ገበንን ተኸሲሱ ንትሽዓተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ ነይሩ። ኣብ 2017 ድማ ካብ ማእሰርቲ ወጺኡ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG