ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጽጉማት ፈለስቲ ካብ ልመና ኽናገፋ ትሰርሕ ጎርዞ


ኣብ ከተማ ኣክሱም ትነብር መንእሰይ ገነት ገብረስላሴ ኣብ ልመና ዝነበራ 14 ፈለስቲ “ፍረ ገዳም ማሕበር ማእለማ” ኣጣይሻ ብናብራ ዓርሰን ክኽእላ ኩነታት ተጣጥሐለን ምህላዋ ትገልጽ::

ገነት ኣብ ዝተፈላለዩ ገዳማትን ኣብ ከተማ ኣክሱምን ለሚነን ዝዕነገላ ዝነበራ ፈለስቲ ኣኪባ፣ሰሪሐን ዓርሰን ዝኽእላሉ መንገዲ ሓቢራ፣ ካውኡ ድማ ምስ ቤት ፅሕፈት ጉዳይ ደቀንስትዮ ብምትሕግጋዝ ብማእለማ ሰልጢነን ዓርሰን ዝኽእላሉ ኣፋፍኖት ክረኽባ ኣኽኢላተን’ላ::

“ስራሕ ሃይማኖት ኣይፈልን:: ስራሕ ንዝደልዮ ጥራሕ እዩ ዝደሊ:: ማእለማ ድማ ጥበብ እዩ ብሃይማኖት ክርስትያን ኦርቶዶክስ ናይ ገዳማውያን ስራሕ እዩ፤ እነይ ማርያም ዘርአየትና ስራሕ እዩ:: ስለዚ ደቀንስትዮ ክሰርሐኦ ዝግባእ እዩ” ትብል ገነት::

ብመሰረት’ዚ እተን ፈለስቲ ብዋናነት ካብ ኣክሱም ዝርከብ ጋቢ፣ ሽኮሪ ጋቢ(ዕጥርጥር ጋቢ)፣ ጥሉፍ ኩታ፣ ንፈለስቲ ዘገልግል ሽጎማነ፣ ብስእሊ ቤተ ክርስትያንን ሓወልትን ዝወቀበ ነፀላን ካልኦት ዓይነታት ዓለባን ኣሰናዲአን ናብ መሸጣ ኣቕሪበን ኣለዋ::

“ዝሓሰብኩዎ ስራሕ ኣብዚ ደረጃ ምብጽሑ ሕጉስቲ እየ እግዚኣብሄር ይመስገን ናዓይ ምግበይ እዩ ፍረ እዩ ኮይኑ ግና ቅር ዝብለኒ ነገራት’ሎ:: እዚ ስራሕ እዚ ናይ ኩልና ሓላፍነት እናሃለወ ክሳብ ሐዚ ዝተገበረለን ሓገዝ የለን:: ዓሰርተ ኣርባዕተ ፈለስቲ ኣብ ሓደ ገዛ እየን ዝነብራ” ብምባል ተገዳስነት ዘለዎ ወገን ንኽሕግዛን ትጽውዕ::

ገነት ብተወሳኺ ወለዶም ዝሳኣኑ ሰለስተ ህፃውንትን ካልኦት ጠዋሪ ዘይብለን ሰለስተ ኣዴታትን ትሕብሕብ::

XS
SM
MD
LG