ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ: ቁጽሪ ሕሙማት ቲቢ ከምዝነከየ ተገሊጹ


ኣብ ኤርተራ ቁጽሪ ሕሙማት ሳንቡእ(ቲቢ)ከምዝጎደለ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓላፊት ሕማም ቲቢን ደዌን ሲስተር ሂወት ንጉሰ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢራ።

ካብ`ቶም ናብ ሕክምና ክመጽኡ ትጽቢት ዝተገብረሎም ሰባት: እቶም 33ሚእታዊት ከምዘይመጽኡ ዝሓበረት ሲስተር ሂወት፡ ነዞም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ትካላት ጥዕና ክመጽኡ ዘይከኣሉ ሰባት ናብ`ቲ ቦትኦም ብምኻድ መርመራን ምክትታልን ክግበረሎም መደብ ተታሒዙ ይስረሓሉ ከምዘሎ ገሊጻ።

ብደረጃ ሃገር 76 ምሉእ ኣገልግሎት ሕክምና ቲቢ ዝህባ ትካላት ጥዕና ከምዘለዋን ኣብ ውሽጢ 2 ሰዓታት ሕማም ቲቢ ዘነጽር ሓዲሽ መሳርሒ ተኣታትዩ ብምህላዉ ነቲ ሕማም ኣብ ምክልኻሉን ምጉዳሉን ዓቢ ኣበርክቶ ይገበር ከምዘሎን ዝገለጸት ሲስተር ሂወት፡ ነቶም ተጻዋርነት መድሃኒት ዘጥርዩ ሕሙማት ቲቢ፡ኣብ መርሓኖ ፍሉይ ቦታ ተዳልዩሎም ግቡእ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ይወሃቦም ከምዘሎ ወሲኻ ሓቢራ።

ብኻልእ ወገን ሕማም ቲቢ፡ መድሃኒትካ ከየቋረጽካ ብግቡእ ተኸታቲልካ ብምውሳድ ዝፍወስ ሕማም`ዩ ዝበለት ካብ`ቲ ሕማም ዝተፈወሰት ወ/ሮ ርሻን ዓንደ እያ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኤርትራ: ቁጽሪ ሕሙማት ቲቢ ከምዝነከየ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:22 0:00

XS
SM
MD
LG