ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጽሪ ናብ ኢትዮጵያ ዝስደዱ ደቡብ ሱዳናዊያን ይስውኽ ኣሎ


ኹናት ሓድሕድ፡ሕማም ኮለራን ጽንኩር ጥምየትን ደቡብ ሱዳናዊያን ናብ ኢትዮጵያ ክውሕዙ ይገብር’ሎ ክብል ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ብሰንኪ እዋናዊ ኩነታት ደቡብ ሱዳን ቁጽሪ ናብ ኢትዮጵያ ዝስደዱ ወሲኹ’ሎ ድሕሪ ምባል ኣብ ወርሒ ግንቦት ጥራይ 1,500 ዝኾኑ ኢትዮጵያ ኣትዮም ኣለው ኢሉ’ሎ።

ካብ መስከረም 2016 ዓ.ም አትሒዙ ቁጽሪ ናብ ኢትዮጵያ ዝአትው ደቡብ ሱዳናዊያን 87,000 ምብጽሑ ተገሊጹ’ሎ። ብፍላይ ኣብታ ሃገር ሕማም ኮሌራ ካብ ዝኽሰት ንደሓር ኣብ ዶብ ጥንቃቀ ይግበር’ሎ ክብሉ ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ አቶ ክሱት ገብረ እግዚኣብሄር ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቁጽሪ ናብ ኢትዮጵያ ዝስደዱ ደቡብ ሱዳናዊያን ይስውኽ ኣሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:56 0:00

ምሉእ ጸብጻብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG