ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'አብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 700 ሽሕ ስደተኛታት አለዉ' ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ


አብ ኢትዮጵያ አብዚ እዋን'ዚ ልዕሊ 700 ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን፡ሶማል፡ኤርትራን ይነብሩ'ለው ክብል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

እቲ ትካል ሎሚ ቅነ አብ ዘውጽኦ ጸብጻብ አብታ ሃገር ይነብሩ'ለው ካብ ዝበሎም 150ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራዊያን ስደተኛታት 81ሽሕ ዝኾኑ አብዚ እዋን አብቲ መዕቆቢ ስደተኛታት ከምዘየለውን አበይ አለው ንዝብል ሕቶ ድማ ገና አብ መጻኢ ክረጋገጽ'ዩ ዝብል መልሲ ሂብሉ'ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ስደተኛታት አብ ካምፕ ክኾኑ'ዮም ትጽቢት ዝግበረሎም ግን ብሕክምና፡ድሕነትን ሰብዓዊ ጉዳያትን አብ ከተማታት ክነብሩ ይፍቀደሎም'ዩ ብከምዚ ምክንያት 7427 ስደተኛታት አብ አዲስ አበባ ከምዝነብሩ እቲ ትካል ዘውጽኦ መግለጺ የረድእ።

መንግስቲ ብዝፈቀዶ ርእሶም ክሳብ ዝኸአሉ ኤርትራዊያን ስደተኛታት አብ አዲስ አበባን ካልኦት ከተማታትን ክነብሩ ኣኽኢልዎም'ዩ ክብል'ውን እቲ መግለጺ ይሕብር።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

'አብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 700 ሽሕ ስደተኛታት አለዉ' ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:37 0:00

XS
SM
MD
LG