ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ሰሜን ወሎ ቁጽሪ ዝእሰሩ ሰባት ይውስኽ ከምዘሎ ነበርቲ ገሊጾም


 ሰሜናዊ ወሎ- ካብ ሳተላይት ዝተወስደ
ሰሜናዊ ወሎ- ካብ ሳተላይት ዝተወስደ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ሰሜን ወሎ ከተማታት ወልድያ፡መርሳን ቆቦን ካልኦት ከተማታት’ቲ ዞባን ቁጽሪ ዝተአሰሩ ሰባት በብመዓልቱ ይውስኽ ከምዘሎ ነበርቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ኣብ ከተማ ወልድያ ሰባት ብብዝሒ ይእሰሩ ከምዘለው ሓደ ነባሪ ይሕብር።

“ ኣብ ውሽጢ 3-4 መዓልታት ኣብ ዘሎ ዝተአሰሩ መንእሰያት ኣበይ ከምዝኣተው ኣይፍለጥን። ስድራ ቤታት እናተሳቀያ እናነብዓን እዮም ዘለው፡ ንመራሕቲ ሃይማኖት ክንሽምግል ኢና ኢልኩም’ዶ ኣይነበረን ምስ በልዎም እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ጸገም የለን ኢሎም ናብኣቶም ይኸዱ እሞ ይፍትሑ ምስ በሉ መርትዖ ስለዝረኸብናሎም ኣይንፈትሕን ኢና ኢሎሞም።”

ብተወሳኺ ሎሚ መዓልቲ ዝተአስሩ ናበይ ከምዝወሰድዎም ኣይንፈልጥን ክብል ካልእ ስሙ ክገልጽ ዘይደለየ ነባሪ ይገልጽ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG